ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምምሕያሽ ሕጊ ምርጫ ክካታዕ ዝተኣከበ ፓርላማ ኬንያ: ብሰንኪ ጉስጢ ዝተሓወሶ ባእሲ ተቛሪጹ


ትማሊ ሰሉስ ፡ሕጊ ምርጫ ኬንያ ንምምሕያሽ ዝተኣከቡ ኣባላት ፓርላማ`ታ ሃገር: ንሓድሕዶም ብምጉሳጦም ተቛሪጹ።

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ትሕቲ ሸሞንተ ወርሒ ተሪፍዎ ኣብ ዘለወሉ: ፖለቲከኛታት`ታ ሃገር ኣብ ኣተሓሕዛ ሕጊ ኮሚሽን ምርጫ ክሰሓሓቡ ጀሚሮም።
ዝሓለፈ መስከረም ዝቖመ ኮሚሽን ምርጫ "ናብ ገዛኢ ፓርቲ ጁብሊ ጸግዒ ዝወሰደ`ዩ" ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ`ሎ። ትማሊ ሰሉስ ዝተጸውዐ ፍሉይ ኣኼባ ፓርላማ እምበኣር ኣብ`ቲ ዝቐረበ እማመ ምምሕያሽ ሕጊ ምርጫ ንኽካታዕ`ዩ ኔሩ። እንተኾነ ኣባላት ተቓወምቲ ንኣፈ-ጉባኤ ንኽልተ ሰዓት ዕድል ከሊኦሞ።
ሓደ ተቓዋማይ ኣባል ፓርላማ ካብ`ቲ ምርጫ ክንወጽእ ኢና ክሳብ ምባል ኣፈራሪሑ።
“ናጻን ቅኑዕን ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ሕጊ ዘይብልና እንተኾይና፡ ምርጫ ኣለና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ተቓወምቲ`ውን ካብቲ መስርሕ ምርጫ ከንሳሕቡ`ዮም ማለት`ዩ-ምኽንያቱ ናብ ምርጫ ምኻድ ምኽንያታዊ ኣይኮነን።”
ድሕሪኡ እምባጋሮ ተላዒሉ-ኣባላት ፓርላማ ናይ ጉስጢ ባእሲ ጀሚሮም። እቲ ኣኼባ ናብ ጥሪ 24 2017 ዓ.ም ተሳጊሩ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ኣምባሳደራት ዓሰርተ ሃገራት፡ ውጽኢት ምርጫ ንምልዋጥ ምስ ውድባትን ፓርትታትን ዝሰራሕናዮ ነገር የለን ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም። እዚ ምላሽ ነቲ መንግስቲ ኬንያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምዕጻው ኣህጉራዊ ትካል ስርዓት ምርጫ`ታ ሃገር`ዩ-እቲ ትካል ብዛዕባ ምርጫ ዝህቦ ዝነበረ ትምህርቲ ደው ከብሎ ተኣዚዙ`ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
XS
SM
MD
LG