ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ምውጻእ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዘሻቐሎ ሓቢሩ


ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን - ዘ ሄግ
ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን - ዘ ሄግ

ኣብ ሄግ ዝመደበሩ ዓለምለከ ቤት ፍርዲ ገበን ብተኸታታሊ ሓዲገንኦ ብዝኸዳ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ድማ፡ ካልእ ፈላሚት ኣባል ዝነበረት ሩስያ፡ ወጺኣ`ላ፡ ፍሊፕኒስ`ውን ክትስዕብ ትኽእል`ያ ይብሃል ኣሎ።

ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ብሩንዲ፡ ጋምቢያ ካብቲ ቤት ፍርዲ ከምዝወጻ ኣመላኺተን ኣለዋ። እዘን ሃገራት እቲ ቤት ፍርዲ፡ ብዘይግቡእ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዒላማ ዝገበረ`ዩ ዝብል`ዩ ንኽወጻ ከምዝወሰና ሓቢረን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሎንደን ኣብ ክፍሊ መጽናዕቲ ኣፍሪቃ ዝሰርሕ ፊል ክላርክ፡ ብዛዕባ ኣይሲሲ፡ ኣብ ዙርያ ኣፍሪቃ ዘሎ ስምዒት ይገልጽ።

" ኣህጉራውያን ተዋሳእቲ ብዛዕባ ንኣፍሪቃ ኣብ ዘገድስ ጉዳያት ዝገብርዎ ምትእትታው፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዓቢይ ስኽፍታታት ይፈጥር ኣሎ።”

ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ`ውን መራሒ ሩስያ ላድሚር ፑትን፡ ሃገሩ ካብ ውዕል ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበናት ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ኣውጺእዋ`ሎ።

ናይ ፍሊጵንስ መዘንኡ ብወገኑ ዝሓለፈ ሓሙስ ክዛረብ ከሎ፡ ፡ “እቶም ነእሽቱ ጥራሕ ኢና ንጥቃዕ ዘለና” ብምባል ኣሰር ሞስኮ ከምዝኽተል ኣሚቱ`ሎ።

ዋና ዓቃቢ-ሕጊ እቲ ቤት ፍርዲ ፋቱዋ በንሱዋዳ ግን፡ ብዛዕባ ዝፍጸም ገበናት ኢና ዝያዳ ክንሻቐል ዝግባእ ክትብል፡ ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ንስራሕ ኣይሲሲ ተጣቢቓ`ላ።

" ከም ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ መጠን፡ ንዝፍጸሙ ከበድቲ ግፍዕታትን ገበናትን ብዝምልከት፡ ብዛዕባ ምርግጋጽ ተሓታታትነትን ፍትሕን ዝያዳ ክንግደስ ይግባእ።”

ተንታኒ መጽናዕቲ ኣፍሪቃ ፊል ክላርክ ብወገኑ፡ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ኣባልነት`ቲ ቤት ፍርዲ ኣብዝወጻሉ እዋን፡ ገለ ካልኦት ድማ ምስ`ቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀጥታዊ ጽምዶ የካይዳ ኣለዋ ይብል።

ኣይሲሲ ማለት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፡ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ፈላማይ ዓቢይ ዝብሃል መርመራ ጀሚሩ`ሎ፡ ኣብ እዋን ግጭት ሩስያን ጆርጅያን፡ ገበናት ኩናት ተፈጺሙ እንተኾይኑ ከምኡ`ውን ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ብወተሃደራት ኣመሪካን ብሪጣንያን፡ መስቀይቲ ተፈጺሙ እንተኾይኑ ክምርምር ይደሊ`ሎ።

እንተኾነ፡ ኣመሪካ ፈራሚት ኣባል ናይ`ቲ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበናት ስለዘይኮነት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ ዝለዓል ክስታት ዝዕወት ኣይመስልን።ብዝኾነ ግን ተንተንቲ ብርክት ዝበላ ሃገራት ብተኸታታሊ ካብ ኣይሲሲ ምውጽአን፡ እቲ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት ከም ዓለማዊ ትካል-ፍትሒ ዝርኣየሉ ዕድል ኣብቂዑ`ዩ ዝብል ርእይቶ ኣልዒሉ`ሎ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ምውጻእ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዘሻቐሎ ሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:43 0:00


XS
SM
MD
LG