ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰማያዊ ፓርቲ አብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣባላቱን ደገፍቱን ይእሰሩ ከምዘለዉ ገሊጹ


ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ፓርቲ ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ፖሊስ ሓደ ሓደ አባላት ኣመራርሓ ሓዊሱ ልዕሊ 80 አባላትን ደገፍቲ እቲ ፓርቲን ምእሳሮም ሓቢሩ።

ካብ መንጎ እዚኣቶም ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ሰለስተ ጥራይ ምዃኖም ሓላፊ ህዝባዊ ርኽባት’ቲ ፓርቲ አቶ ሰሎሞን ተሰማ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ አብ ዝተፈላለየ ክፍሊ’ታ ሃገር አዝዮም ብዙሓት አባላት’ቲ ፓርትን ደገፍቶምን ተአሲሮም አለው ይብሉ።

ብፍላይ አብ ደቡብ ምዕራብ ሸዋን ደቡብ ባሌን ሓያለ አባላት ኣብ ማእሰርቲን ሓያል ምንክልባትን ይርኸቡ ክብሉ አማሪሮም።

ፖሊስ ንትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብዘይምቕባሎም ብዋሕስ ዝተፈትሑ ሓንቲ አባል አመራርሓ’ውን መሊሰን ተአሲረን ከምዘለዋ ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG