ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ለውጢ ኣብ ስርዓት ምርጫን ካልኦት ጉዳያትን ዘተኾረ ምምይጥ ተኻይዱ


ናይ ኣሜሪካ ምኽትል ሚንስተር ወጻኢ ንጉዳያት ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ቶም ማሊኖውስኪን
ናይ ኣሜሪካ ምኽትል ሚንስተር ወጻኢ ንጉዳያት ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ቶም ማሊኖውስኪን

ናይ ኣሜሪካ ምኽትል ሚንስተር ወጻኢ ንጉዳያት ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ቶም ማሊኖውስኪን: ሚንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዘተኮረ ምይይጥ ምክያዶም ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝበጸሓና ዜና ሓቢሩ።

እቲ መበል 7ይ ግዜ ዝተባህለ ኣብ ምሕደራን ሰብኣዊ መሰልን ዘተኩር ክልቲኣዊ ምይይጥ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ምርጫ ለውጢ ክገብር፡ ሕገመንግስታዊ መሰላት ከኽብር ዝኣተዎ ቃል ዝምልከት ከምኡ`ውን ኣብ ግዜ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንልዝብ ዘሎ ዕድል ዝምልከት`ዩ ኔሩ።

ሎሚ ምሸት ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ ንሓያልን ኣድማዕን መራከቢ ብዙሃን ምሕጋዝ፡ መሰረታዊ ናጽነት እናኽበርካ ናይ ጽልኢ ዘረባ ክውገደሉ ዝኽእል መንገዲ ምድላይ፡ ኣገዳስነት ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ኣብ ምሕያል ሰናይ ምሕደራን ዘለዎ ተራ፡ ከምኡ`ውን ብሚንስትሪ ወጻኢ ኣሜሪካ ዝወጽእ ዓመታዊ ሪፖርት ሰብኣዊ መሰላት ኣገዳሲ ምዃኑ ክልቲኦም ወገናት ብኽፉት ተመያይጠምሉ ይብል ።

ክልቲኦም ወገናት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን፡ ነቲ ግልጺ ምልውዋጥ ሓሳብን ኣረኣእያን ብሓጎስ ተቐቢሎሞ ኣለዉ ይብል እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ

XS
SM
MD
LG