ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ በርሊን ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 12 ሰባት ሞይቶም 50 ድማ ቆሲሎም


 ነቲ ሓደጋ ዝፈጸመ ናይ ጽዕነት መኪና
ነቲ ሓደጋ ዝፈጸመ ናይ ጽዕነት መኪና

እቲ ትማሊ ኣብ ከተማ በርሊን ናይ ጽዕነት መኪና ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ደይ መደይ ኢልካ ዝተገብረ ምዃኑ ጥርጥር የለን ክብሉ ሚኒስተር ውሽጢ ሃገር ጀርመን ቶማስ ማዚኦረ ኣፍሊጦም።

ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ኣብ ሓደ ናይ ዕዳጋ ቦታ ብናይ ጽዕነት መኪና ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 12 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት አስታት 50 ድማ ምቁሳሎምን ተፈሊጡ’ሎ። እዚ መጥቓዕቲ ከም ባህልን ልምድን ጀርመን ንበዓል ልደት ኣብ ዝዳለው ክብረ በዓል ጎደናታት ዘጋጠመ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ፖሊስ እታ ከተማ እቲ መጥቓዕቲ ብላንድ ማርክ ከይሴር ዊልሀም ሚሞርያል ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝበሃል ቦታ ትማሊ ሶኑይ ምሸት ምግጣሙን መራሕ’ቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ናይ ጽዕነት መኪና ድማ ካብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ክስወር ኣብ ዝፈተነሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታውን ሓቢሮም። መራኸቢ ብዙሃን እቲ መራሕ መኪና ፓኪስታናዊ ምዃኑን ናብታ ሃገር ዝሓለፈ ዓመት ምእታውን ይሕብሩ ኣለው።

ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ከተማ ኒስ ፈረንሳ ኣብ ባህላዊ በዓል ዝኻየደሉ ዝነበረ ቦታ ምግጣሙን 86 ሰባት ምሟቶምን ይዝከር። መራሕ መኪና እዚ ኣብ ፈረንሳ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ቱኒዝያ ዝተወልደ ምዃኑን ምስ ንገዛእ ርእሱ “እስላማዊ መንግስቲ” ኢሉ ዝጽውዕ ጥሩፍ ጉጅለ ምትእስሳር ክህልዎ ይኽእል ዝብል ጥርጣረ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣውሮጳዊ ተንታኒ ብሩዝ ዊልሰን ካብ ሜልቦርን ኣውስትራልያ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እዚ ኣብ ጀርመን ዘጋጥም ዘሎ መጥቓዕቲ ጀርመናዊያን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ኤስያ፡ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ኣብ ሃገሮም ንምቅባል ድምጾም ዝሃብሉ ውሳኔ መዘኻከሪ’ዩ ይብሉ።

ብተወሳኺ መሓውራት ዜና ንዘቕርብዎ እታ መኪና ዋንነታ ናይ ፖላንድ ትካል ምኳኑ ብዝምልከት ሚስተር ብሩስ ዊልሰን ከምዚ ይብሉ።

“ ገለ መሓውራት ዜና እታ መኪና ምስ ፖላንዳዊ መራሕ መኪና ተጨውያ ክትኸውን ትኽእል’ያ ዝብሉ እንተሓለው ኣብ ኸመይ ኹነታት፡ ብኸመይን መዓስ ከምኡ’ውን እቲ ሓበሬታት ሓቂ ድዩ ንዝብል ግን ክሳብ ሕጂ ዝተረጋጸ ነገር የለን። ይኹን እንበር እቲ ፖላንዳዊ ትካል ኣብ ከባቢ ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ ምስ መራሕ መኪና ርኽብ ምቁራጾም ሓቢሮም እዮም። እዚ ድማ እቲ ሓደጋ ቅድሚ ምግጣሙ ኣርባዕተ ሰዓታት ኣቢሉ’ዩ ኣብዚ ኣርባዕተ ሰዓታት እንታይ ኣጋጢሙ ክሳብ ሕጂ ኣይፈለጥናን።”

ኣውሮጳ ኣብ ቀረባ እዋን ዓበይቲ መጥቓዕትታት ግብረ ሽበራ ኣብ ከተማታት ፓሪስን ብራስለስን ምግጣሙ እንተኾነ ግን ኣብ ጀርመን ዳዒሽ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ነአሽቱ ሓደጋታት ከጋጥም ምጽንሑ ይፍለጥ።

ናይ ኣሜሪካ ክፍሊ ሃገራዊ ጸጥታ ወሃቢ ቃል ኔድ ፕራይስ እዚ ሓደጋ መጥቓዕቲ ግብረ ሽበራ ምዃኑን ኣሜሪካ ድማ ጀርመን ኣብ ተኻየዶ ምርመራ ኣብ ጎና ደው ከምትብል ኣፍሊጦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ በርሊን ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 12 ሰባት ሞይቶም 50 ድማ ቆሲሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:25 0:00

XS
SM
MD
LG