ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንዜጋታቱ ናብ ኢትዮጵያ ምግያሽ ብዛዕባ ክህልዎ ዝኽእል ሓደጋ ዳግም ኣጠንቂቑ


ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ ናብ ፍሉያት ከባቢታት`ታ ሃገር ዝነጸረ ናይ መገሻ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ`ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኩነታት ጸጥታ ተመሓይሹ`ዩ ክብል ምላሽ ሂብሉ`ሎ። ሚኒስትሪ ወጻኢ ኣሜሪካ ካብ ሕዳር 2015 ዓ.ም ብጠንቂ ዝጀመረ ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታት፡ ዜጋታቱ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይድዎ መገሻ ከጋጥም ብዛዕባ ዝኽእል ሓደጋ ዝሃቦ መጠንቐቕታ ዳግም ኣሓዲስዎ`ሎ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ብሰንኪ መንግስታዊ ቀይድታት ተንቀሳቃሲ ቴሌፎንን ኣገልግሎት ኢንተርነትን፡ ከምኡ`ውን ብምኽንያት ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት`ታ ሃገር ዝህቦ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ክድረት ይኽእል`ዩ ኢሉ`ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ሰባት ምእሳር ዘጠቓለለ፡ መራኸቢ ብዙሃን ምክትታል፡ምስ መንግስታት ወጻኢ ወይ ምስ አካላት ወጻኢ ኣኼባታት ምኽያድ፡ ሰዓታት እቶ እቶ ምጥሓስ ዝበሉ ተግባራት ንውልቀ ሰባት ክእሰሩ ዝፈቅድ ዓንቀጻት ዝሓወሰ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብ8 ጥቅምቲ 2016 ተግባራዊ ጌሩ`ሎ ይብል መግለጺ ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ።

መንግስቲ ንሓደ ሰላማዊ ዝዕላምኡ ሰልፊ`ውን ሓይሊ ክጥቀም ይኽእል`ዩ ጥይት`ውን ክትኩስ ይኽእል`ዩ ዝበለ`ቲ መግለጺ፡ ኣመሪካውያን ምናልባት ካብ`ታ ሃገር ንምውጻእ ሃንደበት ክብገሱ እንተድለዮም ተቐሪቦም ክጸንሑ ምዒዱ`ሎ።

ኣብታ ሃገር ብዘሎ አቐዲምካ ክፍለጥ ዘይከአል ኩነታት መራኸቢ ሓበሬታ ብናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ወይ (SMS) ንኽረኽቡ ሞባይል ስልኮም ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ከምዝግቡ ዝመኸረ ቤት ዕዩ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ፕሮግራም ስቴፕ(Smart Traveler Enrollerment Program) ክምዝገቡ`ውን መኺሩ`ሎ።

ነዚ ብሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ዝወጸ ናይ መገሻ መጠንቀቕታ ምላሽ ክህበሉ ብድምጺ ኣሜሪካ ዝተሓተተ ወሃቢ-ቃል መንግስቲ ዶ/ር ነገሪ ለንጮ ኩነታት ጸጥታ ተመሓይሹ`ዩ ይብል።

“መንግስቲ ኣመሪካ ዝወስዶ ውሳነ፡ ናቱ ስለዝኾነ ንዕኡ ዝግደፍ`ዩ። ነገር ግን ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት፡ ዜጋታትና ብሰፊሑ ዝነብርዎ ዘለዉ ህይወት፡ ብግልጺ ዝፍለጥ ስለዝኾነ፡ ቕድሚ ሎሚ ዝነበረ ናይ ጸጥታ ሽግር፡ ሕጂ ብጽቡቕ ኩነታት ከምዝተመሓየሸ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘርእዮ`ዩ።”

ብኻልእ ተመሳሳሊ ዜና፡ናይ ብሪጣንያ ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ወጻእን ሓባራዊ ሃብትን፡ ኣብ ዝተፈላለየን ዝተወሰነን ኸባብታት ኢትዮጵያ መገሻታት ከይግበር መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ`ሎ።

እቲ መጠንቐቕታ ንኣገዳሲ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ምሉእ ክልልታት ኣምሓራን ኦሮሞን ዝነበረ መጠንቀቕታ ተሪፉ፡ ኣብ ንጹር ቦታታት ማለት ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣብ ወረዳታት ጸገደ፡ ምዕራብ ኣርማጭሆን፡ ታሕታይ ኣርማጭሆን ናይ መገሻ መጠንቀቕታ ዘመሓላለፈ `ቲ ቤት-ጽሕፈት፡ ኣብ ኩሉ ዶባት ማለት ምስ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያ ኣብ 10 ኪ.ሜ ርሕቐት ከምኡ`ውን ብወገን ሶማሊያ ክሳብ 100 ኪ,ሜ ከምኡ`ው ኣብ መስመር ንጅቡቲ ዝወስድ መንገድታት መገሻ ከይግበር ኣጠንቂቑ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

XS
SM
MD
LG