ብመሰረት ቐጠር ኣብ 2010 ዓ.ም ዝተሸምገለ ውዕል፡ ነቲ ኤርትራን ጅቡትን ክሰሓሓብሉ ዝጸንሑ ከባቢ ዱሜራ፡ 450 ዝኾኑ ወተሃደራት ቐጠር ክሕልውዎ ከምዝጸንሑ ይግለጽ። ሕጂ፡ ኣብ`ቲ ቐጠር ምስ ጎረባብታ ኣዕራብ ዝኣተወቶ ምስሕሓብ፡ ጅቡትን ኤርትራን ምስ ስዑድያ ድሕሪ ምውጋነን፡ ቐጠር ወተሃደራታ ካብ`ቲ ኣሰሓሓቢ ዶባት ኣወጺኣ`ላ።
ዳይሬክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም/WHO/ ንምምራፅ ሎሚ ሶኑይ ጉባኤኡ ጀሚሩ’ሎ።ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትር ወፃኢ ከምኡ እውን ሚኒስትር ጥዕና ዝነበሩ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝርኸብዎ ሰለስተ ሕፁያት ተዳልዮም ኣለው።ዶ/ር ቴድሮስ ሕፁይ ኮይኖም ምቕራቦም ኣብ ኢትዮጵያዊያን ምክፍፋል ፈጢሩ’ሎ።ዓለምለኸ ክኢላታት እውን ከምኡ ዝተሓዋወሱ ርእይቶታት ይህቡ ኣለው።
ወታደራዊ ወፃኢታት ኣፍሪቃ ምጉዳሉ ንወታደራዊ ወፃኢታት ናይ ዝከታተል ዓለምለኸ ትካል ፀብፃብ ገሊፁ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተላዓለ ህውከት ብናይ ወፃኢ ዜጋታት ዝወነኑ ኩባንያታት ዒላማ ኮይኖም ኣለው።ሰበስልጣን መንግስቲ እቲ ናዕቢ ንቁጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ንድሕሪት ከይመልሶ ስግኣት ኣለዎም።ተንተንቲ ግን ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁጠባዊ ዕብየት ንክቕፅል ናይቶም ተቓወምቲ ሕቶታት ምፍታሕ ኣገዳሲ እዩ ይብሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወሃቢ ቓል-ሰማያዊ ፓርቲ ዮናታን ተስፋዬ ኣብ Facebook ብምንቃፉ ከምዝተኣስረ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልጽ
ቅድሚ 25 ዓመታት ነጻነት ፕረስ ሓደ ካብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መስላት ኮይኑ። እዚ ኣብ ዓለም ካብ ዝእወጅ ንነጀው ጋዜጠኛታት ዘጋጥሞም ምቁጽጻር፡ ምፍርራሕ፡ ማእሰርቲ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት’ውን መቕተልቲ ይውስኽ’ሎ።
ነጻነት ፕረስ ብጠቅላላ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዓመተ 2015 ምንቁልቋሉ ጉጅለ ተሓላቒ ነጻነት ፕረስ፡ ፍሪደም ሃውስ ኣብ ዝውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ሊብያን ጣልያንን ዝርከብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሰባት ዝጸዓነት ጀልባ ተገልቢጣ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክሳብ 500 ክብጽሕ ይኽእል እዩ ክብል ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት/UNHCR/ ኣፍሊጡ።
ተወሳኺ ጽዓን