ካብ ካሊፎርንያ ዝተወከለ ኮንግረስማን ዳና ሮራባቸር፡ ሻቕሎት ሰብኣዊ መሰላት ንምሕዝነትና ዝቕይድ ክኸውን የብሉን ይብል።
ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ፡ ኣብ የመን ኢራን ተካይዶ ዘይቀጥታዊ ውግእን፡ ቀዳምነታት ኣሜሪካ ኣብ`ቲ ዞባን፡ ነቲ ምስ ኤርትራ ዝግበር ምቅርራብ ደራኺ ከምዝገብሮ እቲ ኣባል ሓጋጊ ባይቶ የስምረሉ። ኣተሓሒዙ፡ በታ ናይ ነዊሕ ጸላኢታ ዝኾነት ኢትዮጵያ ሕብሪ ዝተቐብአ ፖሊሲ ኣሜሪካ ክቕየር ኣለዎ ይብል።
“ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ተንጠልጢልና ንፖሊሲታትና ክመርሑልና ስቕ ኢልና ክንርኢ የብልናን። ኤርትራ ኣብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስትራተጂያዊ ስፍራ እትርከብ ሃገር`ያ። ብመንጽር ጸረ-ሽበራዊ ኩናት፡ ምስ ሓላፍነታውያን ዝኾኑ ሰባት ክንሰርሕ ኣለና። ”
ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት ትርከብን፡ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ትኽሰስን ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ንወተሃደራዊ መዓስከር ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ወደብ ዓሰብ ኣተኣናጊዳ`ላ።
ኣሜሪካ ፡ኣብ ግዜ ዝሑል ኩናት ብፍላይ ከኣ ካብ 1943-1977 ዓ.ም፡ ኣብ ኣስመራ “ቃኘው ስተሽን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ወተሃደራዊ መደበር ከምዝነበራ ይፍለጥ።
ምሉእ ትሕዝትኡ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።