ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ፍሪደም ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ሪፖርት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ነጻነት ፕረስ ኣብ 12 ዓመታት እቲ ዝተሓተ ነጥቢ ምምዝጋቡን እዚ ድማ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፡ ናይ ገበንን ናይ ሽበራን ጉጅለታት ምኳኖም ይገልጽ። ብመሰረት’ቲ ጸብጻብ ነጻነት ፕረስ ብዝለዓለ ካብ ዘንቋልቆለለን ትሽዓተ ሃገራት ግብጺ ብቀዳምነት ትስራዕ።
ግብጻዊ ጋዜጠኛ ካልድ ዳውድ መንግስቲ ፕረዝደንት ዓብደልፈታሕ ኢል-ሲሲ መሓውራት ዜና ከም መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ጥራይ ከገልግሉ ኣለዎም ዝብል ኣተሓሳስባ’ዩ ዘለዎም ይብል።
ተሓጋጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንዕዮ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ቶም ማሊኖስኪ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 70 ጋዜጠኛታት ኣብ መላእ ዓለም ሞይቶም ልዕሊ 200 ዝኾኑ ድማ ተአሲሮም’ዮም ኢሎም።
‘ኣብቲ ነጻነት ፕረስ ዘይብሉ ግጭት፡ ኩናትን ብልሽውናን ክንዕዘብ ልሙድ’ዩ ። ብተወሳኺ ምዕሩይ ምሕደራ ክፈርስ ንዕዘብ።’
ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብዚ ሎሚ ዝኽበር መዓልቲ ነጻነት ፕረስ ነቶም ብሰንኪ ዝሰርሕዎ ሪፖርት ዝሳቐዩን ኩነታቶም ዘይተመሓየሸን ጋዜጠኛታት ትኩረት ብምሃብ ከምዝክብሮ ኣፍሊጡ’ሎ።
ብተወሳኺ ታሪኽ እዞም ጋዜጠኛታት ኣብ ማህበራዊ ሚድያን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሰብኣዊ መሰላት (Human Rights.gov) ከምዝወጽእ’ውን ሓቢሩ’ሎ።
ምስ'ዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ 2001 ዓ.ም.ፈ መንግስቲ ኤርትራ ብሓንሳብ ካብ ዝኣሰሮም ጋዜጠኛታት ሓደ፡ ነባር ጋዜጠኛ ስእሊ ስዩም ጸሃየ ተጠቃሳይ`ዩ። ኣብ`ዚ ኣብ ኣሜሪካ ትርከብ ጓል ሓፍቱ ቨነሳ በርሀ፡ ንዕኡ ፍትሒ ንምጽዋዕ 'One Day Seyum' ማለት 'ሓንቲ መዓልቲ ንስዩም' ዝብል መርበብ ሓበሬታ ከፊታ`ላ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርኤ ዘሎ ዓፈና ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዘሻቕል`ዩ ይብል ፍሪደም ሃውስ። "ሰባት ንናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ተዛሪብኩም ተባሂሎም ይእሰሩ"ይብል ፍሊክስ ሆርን ካብ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂማን ራይትስ ዎች።
ጓል ሓፍቲ ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ ቨነሳ ተካይዶ ዘላ ዘመታ ዝምልከት ቪድዮ ኣብዚ ምርኣይ ይክኣል።
ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።