ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሁማን ራይትስ ዎች መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ንባህላዊ በዓል ኢሬቻ ምቅርራብ ዝኻየደሉ ጊዜ ጥንቓቐ ክገብር ጸዊዑ


ፎቶ ፋይል- በዓል ኢሬቻ ዝሓለፈ ዓመት
ፎቶ ፋይል- በዓል ኢሬቻ ዝሓለፈ ዓመት

ተወላዶ ኦሮሞ ዓመታዊ ባህላዊ በዓል ኢሬቻ ንምኽባር ይዳለው ኣብ ዘለውሉ ሕጂ እዋን ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥንቃቐ ክገብር ይፅውዕ ኣሎ።

ሁማን ራይትስ ዎች ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ 33 ገፅ ዝሓዘ ፀብፃቡ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ እዋን እቲ በዓል ንተቓውሞ ፀረ መንግስቲ ዝሃብዎ መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክምርምሮ ፀዊዑ’ሎ።ሓይልታት ፀጥታ ዘንብዕ ጋዝን ጠያይቲ ብምትዃሶምን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ፅቕጥቅጥ ዓሰርተታት ሰባት ምሟቶም መሰኻኽር ንሁማን ራይትስ ዎች ገሊፆም እዮም ይብል።መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣስታት 55 ሰባት ምሟቶም ክገልፅ ከሎ ተቓወምቲ ጉጅለታት ግን እቲ ኣሃዝ ናብ ክሳብ 700 ከምዝበጽሕ ይገልጹ።

ኣብ 1 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ቢሾፍቱ ኣብዝኽበር በዓል ተመሳሳሊ ሓደጋ ከይፍጠር ሓይልታት ፀጥታ ክዕቀቡን መንግስቲ እውን ምድላዋት ክገብርን እቲ ትካል ወሲኹ ፀዊዑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG