ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጅቡቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ዓቀብቲ ሰላም ቐጠር ዝሓደግዎ ኣሰሓሓቢ ቦታታት ተቖጻጺሮም ክትብል ከሲሳ


ብመሰረት ቐጠር ኣብ 2010 ዓ.ም ዝተሸምገለ ውዕል፡ ነቲ ኤርትራን ጅቡትን ክሰሓሓብሉ ዝጸንሑ ከባቢ ዱሜራ፡ 450 ዝኾኑ ወተሃደራት ቐጠር ክሕልውዎ ከምዝጸንሑ ይግለጽ። ሕጂ፡ ኣብ`ቲ ቐጠር ምስ ጎረባብታ ኣዕራብ ዝኣተወቶ ምስሕሓብ፡ ጅቡትን ኤርትራን ምስ ስዑድያ ድሕሪ ምውጋነን፡ ቐጠር ወተሃደራታ ካብ`ቲ ኣሰሓሓቢ ዶባት ኣወጺኣ`ላ።

ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተዛረበ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ጅቡቲ መሓመድ ዱለህ፡ ሃገሩ ናብ ባይቶ ጸጥታ ጥርዓን ኣእቲያ ከምዘላ ነጊሩ። ካብ ኤርትራ ምላሽ ንምርካብ ተፈቲኑ ኣይተረኽበን።

ንኣሶሸይትድ ፕረስ ምላሽ ዝሃበ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣርኣያ ደስታ ግን መሬት ጅቡቲ ምሓዝ ድልየት የብልናን- ብሰላም ኢና ክንፈትሖ ንደሊ ኢሉ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG