ዋሽንግተን —
ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተዛረበ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ጅቡቲ መሓመድ ዱለህ፡ ሃገሩ ናብ ባይቶ ጸጥታ ጥርዓን ኣእቲያ ከምዘላ ነጊሩ። ካብ ኤርትራ ምላሽ ንምርካብ ተፈቲኑ ኣይተረኽበን።
ንኣሶሸይትድ ፕረስ ምላሽ ዝሃበ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣርኣያ ደስታ ግን መሬት ጅቡቲ ምሓዝ ድልየት የብልናን- ብሰላም ኢና ክንፈትሖ ንደሊ ኢሉ`ሎ።