ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዑደት ቀ/ሚ ኣብይ ዝምድና መንግስቲ ምስ ዳያስፖራ ኢትዮጵያዊያን ከዕብይ ተስፋ ተነቢርሉ’ሎ


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ኣብ ኣሜሪካ ዘካየድዎ ፅዑቕ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ዑደት ናብ ሃገሮም ምምላሶም ይፍለጥ።ሕዚ እቲ ሕቶ እዚ ዝፈጠሩዎ ሓድሽ ርክብ ኣብ ልዕሊ ብቕልጡፍ ይልወጣ ካብዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ኢትዮጵያ እንታይ ፅልዋ ይህልዎ ዝብል እዩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተጉዓዙለን ናይ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣታት ምስ ደገፍቶም ተራኺቦም እዮም።ኣብ ከተማታት ዋሽንግተን፣ሎሳንጀለስን ሚኒሶታን ኣብዝነበሩ ኣጋጣሚታት ኢትዮጵያዊያን ዳያስፖራ ሓደ ካብቶም መናእሰይን ንቑሓትን ኣፍሪቃዊያን መራሕቲ ንዝኾኑ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብውዕዉዕ ተቐቢሎምዎም።

ዶ/ር ኣብይ ምስ ናይ ሃይማኖት ጉጅለታት፣መራሕቲ ተቓወምትን ምኽትል ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስን ተራኺቦም፡ ትማሊ ረቡዕ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለው፤እዚ ሓድሽ ምትእስሳር ናብ ሓደሽቲ ዕድላት ክልወጥ ብዙሓት ተስፋ ኣለዎም።

“ምስ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያን ንምርኻብ ነዊሕ ዝፀንሐ ሸቶና ኣዐዊትና ተመሊስና ኣለና።ቀንዲ ሸቶ ፃንሒትና ኣብ መንጎ ኢትዮጵያዊያን ዘሎ ናይ ፅልኢ መንድቕ ንምፍራስን ናይ ፍቕርን ምትእስሳርን ድልድል ንምህናፅን እዩ።እዚ ግሁድ ዝኾነ ሳላ ድልውነትን ልባዊ ድልየትን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን እዩ።

ዳግም ክራኸቡ ድልዋት ዝኾኑ ዳያስፖራ ለውጢ ዝመፅእ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ፅን ኢሎም ንምስማዕ ድልየት እንተሃኢሉዎም እዩ ይብሉ።ሓደ ካብኦም ሰራሕተኛ ባንኪ ጌታቸው እግዛብሄር እዩ።

“ኣብ ኢትዮጵያዊያን ዳያስፖራ ዘሎ ፀጋታት ብዝግባእ ዝተረድኡ እዮም።ብዙሓት ዝተማሃሩን ሰብ ሞያን ኢትዮጵያዊያን፣ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣለው።”

ኢትዮጵያ ማዕጾኣ ከፊታ ኣውፈርቲ ንዘለው ፀጋታት ክትጥቀመሎም ድልየት ኣለዋ።ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንሰተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቶ ፍጹም ኣረጋ ከምዚ ይብሉ።

“ክንዛረቦም ንኽእል ንኸውን።ግን ብዘለዎም ቅልዑነትን ተመኩሮን ካብኡ ንላዕሊ ክርእዩ ዝኽእሉ እዮም።”

እቶም ተሞክሮታት መነባብሮ ደቂ ኣንስትዮ ዘመሓይሹ ዕድላት ምፍጣር ይሓውስ።ፍረህይወት ደርሶ ናይ ጡብ ካንሰር ትካል ዝጀመረት ነርስ እያ።ንሳ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ማሕበረሰበንን ሃገረንን እምነ ኩርናዕ እየን ትብል።

“ትካልና ኣብቶም ዝሓልፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ዳያስፖራን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ክሕግዝ ፀኒሑ’ሎ።ኣብ ኢትዮጵያ ብሕጊ ንምምዝጋብ ኣብ ከይዲ ኣለና።ኣብታ ሃገር ናይ ካንሰር ማእኸል ንምህናፅ ተስፋ ኣለና።”

መሓቡብ ኣባዋጂ በዓል ሞያ ሕጊ ኣባል ተቓዋሚ ውድብ እዩ።ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰርሖ ስራሕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምቹእ ሃዋህው ክፍጠረሉ ተስፋ ኣለዎ።

“እዚ ክእለት እዚ፣እዚ ተመክሮ እዚ ሒዘ፤ናብ ሃገረይ ወሲደ ንብዙሓት ሰባት ስራሕ ንምፍጣር ክፍትን እኽእል እዩ።”

ገሊኦም ዳያስፖራ ንምሕጋዝ ድሉዋት እዮም፤ወድዓዊ ክኾኑ ከምዘለዎም ድማ ይርድኡ።

ወሰን ደበላ ኣብ ናይ ኢትዮጵያዊያን ደቂ ኣንስትዮ ማእኸል ሰብኣዊ መሰላት ትሰርሕ።

“ነታ ሃገር ናብ ቅድሚት ዘሰጉም መንእሰይ መራሒ ኣለና፤ሕጉስ እየ።ኢትዮጵያዊያን ትዕግስቲ ንክገብሩ ፃዊዕተይ የቕርብ ኣለኹ፤ምኽንያቱ ኩሉሻዕ ለውጢ ኣብ ሓደ ለይቲ ኣይመፅእን።ዕድል ሃብዎ፤ሰባት ነታ ሃገር ንቕድሚት ኣብዘሰጉም ተግባር ኣበርኽቶ ክገበሩ ኣለዎም ክብሎም እደሊ።ዶ/ር ኣብይ ከምዝበሉዎ ናይ ኣፍሪቃ መራሕቲ ክንኸውን ኣለና።”

ንግዚኡ ጠመተ መንግስቲ ኣብ ዞባዊ ውህደትን ምትእስሳር ምስ ዳያስፖራን እዩ ዝበሉ ኣቶ ፍፁም ኣረጋ ወሲኾም ከምዚ ኢሎም።።

“እዋኑ ኢትዮጵያዊያንን ዳያስፖራ ማሕበረሰብን ናብ ሓድነት ምምፃእ እዩ።ንድሕሪት ዝጎተቱና ብዙሓት ኣፈላላያት ኣለውና።ብዝግባእ ክንረዳዳእ ኣይፀናሕናን።”

ኣብቶም ኣጋጣሚታት ኣብ ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያን ሓያል ተስፋ ይስትውዓል።ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ናብ ኣሜሪካ ቅድሚ ምምፅኦም እውን እንተኾነ ካብ ዳያስፖራ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝልኣኽ ገንዘብ ወሲኹ ነይሩ።ኢትዮጵያ ቁጠብኣ ናብ ናይ ውልቂ ዓውዲ ንምዛር እትገብሮ ፃዕሪ ብምቕልጣፍ ካብ ናይ መሰረተ ልምዓት ኢንቨስትመንት ወፂኣ ጠመትኣ ናብ ናይ ንግዳዊ ዓውዲ ክኸውን እዩ እቲ ኣንፈት።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG