ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ኣብ ወደብ ኤርትራ ሎጅስቲካዊ ማእከል ንምህናጽ ዘለዋ መደብ ኣፍሊጣ


ዲፕሎማስያዊ ርክበን ሩስያን ኤርትራን ይዓብይ ምህላው ተገሊጹ። ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ወደብ ኤርትራ ሓደ ማእኸል ሎጅስቲክ ንምህናጽ ዘለዋ ውጥን ‘ውን ኣፍሊጣ አላ።

ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተገብረ ማዕቀባት’ውን ክለዓል ኣለዎ ኢሎም ኣለው።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ምስ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኻት ኤርትራ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን ብዛዕባ’ቲ ሩስያ ኣብ ወደብ ኤርትራ ክትሃንጾ ዝመደበቶ ማእከል ሎጅስቲክ ምግላጾም መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ(RIA) ሓቢሩ’ሎ።

ብዛዕባ ዓቐንን ዝህነጸሉን ጊዜን ቦታን እቲ ክስራሕ ዝተወጠነ ማእከል እንተዘይተገልጸ’ዃ፡ እዚ ሓባራዊ ዝምድነኣን ንምስፋሕ ክሰርሓ ንዝጸንሓ ክልቲኣን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ርክብ አገዳሲ ምዕባለ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG