ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንዝተቐትለ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ጣዕስኡ ብምግላፅ ንስድርኡ መግለፂ ሓዘን ልኢኹ


ፎቶ ፋይል - ዝተቐትለ ጋዜጠኛ ክሪስቶፈር አለን
ፎቶ ፋይል - ዝተቐትለ ጋዜጠኛ ክሪስቶፈር አለን

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝሓለፈ ቀዳም ንዝተቐትለ ኣሜሪካዊ ፍሪላንስ ጋዜጠኛ ጣዕስኡ ብምግላፅ ንስድርኡ መግለፂ ሓዘን ምልኣኹ ኣፍሊጡ።ክሪስቶፈር ኣለን ኣብ ከባቢ ዶብ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ምስ ሓይልታት ዓመፅቲ ሪያክ ማቻር ከሎ ብሓይልታት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን እዩ ተቐቲሉ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ማይክል ማኩዊ ቅድም ክብል 28 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ካብቶም ዓመፅቲ ሓደ ነይሩ ኢሎም ነይሮም።

“ሓደ ፃዕዳ ሓዊሱ 16 ዓመፅቲ ተቐቲሎም፤መንነት ናይቲ ሰብ ኣይፍለጥን፤ይኹን እምበር ሓደ ካብቶም ንጋሪሶን ዘጥቕዑ ዓመፅቲ እዩ’’ ክብሉ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ንድምጺ ኣሜሪካ ቃሎም ሂቦም ነይሮም።

ሎሚ ረቡዕ ግን ነቲ ዝበሉዎ ብምቕያር ክሪስቶፈር ኣለን ወታደራት መንግስቲ ንመጥቓዕቲ ዓመፅቲ ኣብ ዝመከተሉ እዋን ብኣጋጣሚ እዩ ተቐቲሉ ኢሎም።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ 10 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG