ዋሽንግተን —
‘ሕቡራት ዓረብ ኢምረት፣ ንጥርጡራት ፈጠርቲ ራዕዲ ካብ የመን፣ ኣብ ዓሰብ ኤርትራ ናብ ዝርከርብ መዳጎኒ ስፍራ ከምዘግዐዘቶም’ ተኣሲሮም ዝነበሩን ሰበ ስልጣን የመንን ገሊጾም።
ኣሶሴትድ ፕረስን ሁማን ራይት ዋችን ‘እቲ ኣብ ጥቃ ቀይሕ ባሕሪ ዓሰብ ዝተሃንጸ መደጎኒ ስፍራ፣ ኣካል እቲ ኣብ’ቲ ዞባ፣ መግረፍቲን መግሃስቲን ዝፍጸመሎም ኣብያተ ማእሰርቲ’ዩ’ ከምዝኾነ’ውን ገሊጾም።
ሚኒስትር ወጻኢ ሕዓኢ ግና ‘ንሪፖርት ሁማን ራይት ዋች ‘መሰረት ዘይብሉ’ ኢሉ ብምንጻግ፣ ሕዓኢ ኣብ የመን ሚስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ የብላን’ ኢሉ’ሎ።
ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፣ ብቴለፎን ተሓቲቱ ነቲ ሓበሬታ ነጺጎምዎ’። ‘ሕዓኢ ኣብ ዓሰብ መዳጎኒ እሱራት ኣለዋ ንዝብል ሓበሬታ ‘ውጹእ ሓሶት’ ክብል’ውን ብትዊተር መሊሱ’።
እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ ‘ኣብ ልዕሊ እሱራት መግረፍቲ ይፍጸም ኣሎ’ ዝብል ሓበሬታ ንኣሜሪካዊ ሴነተራት ጆን ሜከይንን ጃክ ሪድን ኣባህሪርዎም’ሎ። ኣብ’ቲ መስርሕ ምርመራ ኢድ ኣሜሪካ ኣለዎ እንተኾይኑ ይጻረ’ውን ኢሎም ኣለው።