ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ንተልእኾ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ተውጽኦ ገንዘብ ከተጉድል’ያ


ንተልእኮ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዝወጽእ ገንዘብ፡ ካብ ኩለን ሃገራት ዝበዝሐ ክትኸፍል ዝጸንሐት ኣሜሪካ ፡ ድሕሪ ደጊም ክፍሊተይ ከጉድሎ`የ ትብል ኣላ። እቲ ተልእኮ ሓዲሽ ኣወዳድባ ክግበረሉ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ካብ ፈለማ’ዩ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ጉዳይ`ዩ።

ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ኣብ ዙርያ ዓለም 15 ተልእኮታት ዓቃቢ-ሰላም ኣለዉ-፡ ካብዚ ኦም ሸሞንተ ኣብ ኣፍሪቃ እዮም።

ኣመሪካ፡ 28 % ናብ`ቲ ተልእኮ ተዋጽእ፡ ብኽፍሊት ካልአይቲ ደረጃ ዝሓዘት ቻይና ድማ 10 % ተዋጽእ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኒኪ ሀሊ፡ ወጻኢታት ተልእኮ ሕቡራት ሃገራት ብ600 ሚልዮን ዶላር ክጎድል`ዩ ዝብል ብሕቡራት ሃገራት ዝወጸ መግለጺ፡ ጽቡቕ ፈላማይ ስጉምቲ ኽትብል ተመጉስ።

ዝሓለፈ መስከረም`ውን ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ማይክ ፐንስ፡ብዛዕባ ኣድማዕነት ዓቃቢ ሰላም፡ ሻቕሎት ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ቁምነገር ዝገብርን ተሓታታይ ዝኾነ ተልእኮ ኾይኑ ክቕረጽ ኣለዎ ክብሉ ተሰሚዖም ኔሮም።

ፓውላ ዊልያምስ፡ ተሓጋጋዚት ፕሮፈሰር ኣብ ጆርጅ ዋሺንግተን ዩኒቨርሲቲ ክፍሊ ኣህጉራዊ ጉዳያት`ያ፡ ወጻኢታት ንምንካይ ኣማራጽታት ምድላይ ኩሉ ግዜ ጽቡቕ`ኳ እንተኾነ፡ ወሰን ኢልካ ምንካይ ግን፡ ድሕነት ወታሃድራት ንምርግጋጽ’ውን ከጸግም ይኽእል`ዩ ትብል።

“ ኣብ ዓቀብቲ ሰላም ብዝተፈላለየ መንገዲ ተጽዕኖ ከሕድር ይኽእል`ዩ። ጠቓሚ`ዩ ኢልካ ዝሓሰብካዮ፡ ዘይተሓስበ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል`ዩ። ስለዚ ዓቀብቲ ሰላም ብውሑድ ገንዘብ ብዙሕ ቁምነገር ክገብሩ ክትጽበዮም ኣይክኣልን`ዩ።”

ንሳ ብተወሳኺ ሕቡራት ሃገራት ባጀት ከጉድል እንተድኣ ኾይኑ ወይ ቁጽሪ ተልእኮታት ክንኪ ኣለዎ ወይ ዕማማት ወፍርታቱ ከጉድል ኣለዎ ትብል ።

ካብ 1960 ዓ.ም ጀሚሩ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 20 ተልእኮታት ዓቃቢ-ሰላም ፈጺሙ። ኣብ`ዚ እዋን`ዚኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ኣብ ምዕራብ ሰሃራን ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን ወሲኽካ 5 ቢልዮን ዶላር ባጀት ዘለዎ ኣስታት 91 ሺሕ ሓይሊ ሰብ ኣለዎ።

ኣብ `ስቲምሰን ማእከል` ዝተባህለ ኣብ ዋሺንግተን ዝርከብ ትካል፡ ፖሊሲ ዲይረክተር ፕሮግራም ሓለዋ ሰላማውያን ሰባት ዝኾነት ኣዲቲ ጎሩር፡ ምንካይ ባጀት ኣብ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ዝህልዎ፡ሳዕቤን ቀሊል ከምዘይኮነ ትገልጽ፡

“ ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ምሕላው ሰላማውያን ሰባት ኣገዳሲ ተራ`ዩ ዘለዎም። እቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኾነ ጎንጺ ድማ ብዕጡቓት ክኸውን ይኽእል ወይ ብመንግስቲ ከኸውን ይኽእል።”

እቲ ምንካይ ባጀት ዓቀብቲ ሰላም ዝብል ሓሳብ ዝያዳ ዝድፍኣሉ ዘሎ ብኣመሪካ`ዩ፡ እዚ ድማ ምስ ቀዳምነት ፖሊስ ወጻኢ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሳነ`ዩ። እንተኾነ፡ ቅድሚ መደባት ትግባረ ምዝርጋሕ፡ ምንካይ ገንዘብ ከይቕድም ተሓለቕቲ ተልእኮታት ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ይሻቐሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG