"ሙዚክ ማን ኦፍ ኣፍሪካ" ብዝብል ዝፍለጥ ገዲም ኣዳላዊ መደብ ሙዚቃ "ሙዚክ ታይም ኢን ኣፍሪካ" ዝኾነ ሊዮ ሳርኪስያን ኣብ መበል 97 ዕድመኡ ዓሪፉ።
ሊዮ ሳርኪሳን ዳርጋ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሃገር ኣህጉር ኣፍሪቃ ብምብጻሕ: ሙዚቃ ኣፍሪቃ ኣህጉራዊ ተፈላጥነትን ተሰማዕነትን ክህልዎ ዝገበረ ህቡብ ኣዳላዊ መደብ ሙዚቃ ድምጺ ኣሜሪካ እዩ ነይሩ።
ሊዮ ሳርኪሳን ኣብ 1961 ዓ.ም ወታሃደር ኣሜሪካ ኮይኑ ኣብ ኮናክሪ ጊኒ ድሕሪ ምምዳቡ'ዩ ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክላለ ክኢሉ። ኣብ ድምጺ ኣሜሪካ ክሰርሕ ዕድል ድሕሪ ምርካቡ ድማ: ነታ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዋ መደብ ሙዚቃ ኣፍሪቃ ማለት "ሙዚክ ታይም ኢን ኣፍሪካ" ፈሊሙ።
ን47 ዓመታት ድማ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብምዝውዋር ዝተፈላለዩ ቅዲ ህርመት ንዘለዎም ሙዚቃ ኣፍሪቃ ብምቕራጽ: ብመገዲ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ እዝኒ ኣህጉራውያን ሰማዕቲ ከበጽሕ ክኢሉ እዩ።
ኣብ 2002 ኣብ መበል 91 ዕድመኡ ጥሮታ ዝወጸ ሊዮ ሳርኪሳን: ስርሓቱ ግን ንሚልዮን ዝቑጸሩ ፈተውቲ ሙዚቃ ብምትካፍ ሙዚቃ ኣፍሪቃ ልዑል ተፈላጥነትን ተፈታውነትን ክረኽቡ ዝገበረ እዩ።
ሊዮ ሳርኪሳን ዝሓለፈ ዓርቢ ሰነ 08 እዩ ዓሪፉ።