ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስዑድያ ተኣሲሩ ዝርከብ ትውልደ-ኢትዮጵያ ቢልየነር ሸኽ ኣላሙዲ ናይ ውልቂ ናይ ባንክ ሕሳብ ከምዝደስከለ መንግስቲ ስዑድያ ኣፍሊጡ


ትውልደ-ኢትዮጵያ ቢልየነር ሸኽ ኣላሙዲ
ትውልደ-ኢትዮጵያ ቢልየነር ሸኽ ኣላሙዲ

ሸኽ መሓመድ ሑሴን ኣላሙዲ ቢልየነር`ዩ ፡ ኣብ ዓለም ካብ መንጎ ዝሃብተሙ ኣፍሪቃውያን ምዃኑ`ውን ብብዙሓት ይእመን። ንትካላት ንግዱ ከመሓድር ኣብ ዙርያ ዓለም ይዘውር፡ ምስ መራሕቲ ሃገራት`ውን ይራኸብ። ሎሚ ግን ብብልሽውና ንገዛእ ርእሱ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተሓይሩ ይርኸብ`ሎ።

ንሱ ዝሓለፈ ቐዳም`ዩ ተኣሲሩ-ኣብ ስዑዲ ዓረብ። ካብ መንጎ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ተኣሲሮም ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሪዝ ካርልተን ኣብ ናይ ምድሪ ምንጻፍ ዝድቅሱ ዘለዉ ሃብታማትን ሰበ-ስልጣን ስዑድያን ሓደ ኾይኑ`ሎ።

እቲ ክሶም ብንጹር ኣይፍለጥን- ግን ኣብ ለንደን ዝርከብ ወሃቢ ቃል ኣላ-ሙዲ ቲም ፐንድሪ ናብ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝለኣኾ ኢሜይል፡ እቲ ማእሰርቲ፡ ኣብ ዙርያ ዓለም ንዘሎ ኣብያተ-ንግዲ ኣላሙዲ ኣይትንክፎን`ዩ ይብል።

“እቲ ብስዑድያ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ክስታት፡ ናይ ስዑድያ ውሽጣዊ ጉዳይ`ዩ። እቶም ሸኽ `ውን ብተሪር ነጺጎሞ`ለዉ። ኣብ ዙርያ ዓለም ዘሎ ንግዶም`ውን በቲ ኩነታት ኣይትንከፍን`ዩ፡ ኻልእ ንህቦ ርእይቶ ግን የብልናን።”

መንግስቲ ስዑድያ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናይ ውልቂ ባንኪ ሕሳብ ናይ`ቶም ዝተኣስሩ ጥራይ`ዩ ዝድስክል`ምበር፡ ንኻልኦት ተዛመድቲ ኣብያተ-ንግዲ ኣይምልከትን`ዩ ብምባል ንኣውፈርቲ ሓቢሩ`ሎ።

መሓመድ ኣላ-ሙዲ፡ ኣብ 1946 ካብ ኢትዮጵያዊት ኣዲኡን ካብ ስዑዳዊ ኣቦን ከምዝተወልደ ይእመን። ኣብ መፋርቕ 60`ታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝሰገረን፡ ድሕሪ ከባቢ 20 ዓመታት፡ ትሕቲ መሬት መኽዘን ነዳዲ ብምህናጽ ቢልየነር ከምዝኾነ ይግለጽ።

ድሕሪኡ ንግዱ ናብ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ሰፊሑ- ኣብ ሽወደን ዝዓበየ መጻረዪ ነዳዲ ብምውናኑ ተጠቃሳይ`ዩ። ከም ሓበሬታ ብሎምበርግ፡ ጽሩይ ሃብቲ ኣላሙዲ፡ ከባቢ 10 ቢልዮን ዶላር `ዩ።

ንማእሰርቲ ሸኽ ኣላሙዲ፡ ኢትዮጵያውያን ብቐረባ`ዮም ዝከታተልዎ ዘለዉ፡ ሄኖክ ጋቢሳ ንጉዕዞ ኣላሙዲ ክከታተል ዝጸንሐ ኣብ`ዚ ኣብ ዋሺንግተን ሊ-ዩኒቨርሲቲ ክፍሊ ሕጊ መምህርዩ። ኣብ ኢትዮጵያ $3.5 ቢልዮን ዝግመት ኣብ ነዳዲ፡ ማዕድን ወርቂ፡ ሲሚንቶን ሕርሻን ዝጠመተ ወፍሪ ከምዘለዎ ይገልጽ።

እንተኾነ ኣላሙዲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ ዝበለ ንብረት ክውንን ሕጋዊ ባይታ ኣለዎ እንተኾይኑ ናይ ሕቶ ምልክት የቕርብ። ስዑዲ ዓረብ ድርብ ዜግነት ስለዘይተፍቅድ፡ ኣላሙዲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኣቱ ኸሎ ናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርቱ ኣረኪቡ ክኸውን ኣለዎ ክብል`ውን ይከራኸር፡ “ኣላሙዲ ኣብ ኢትዮጵያ ይወለድ`ምበር ስዑዳዊ ዜጋ `ዩ። ሕጊ ኢትዮጵያ ድማ ንዜጋታት ወጻኢ ዝምልከት ጽኑዕ መምርሒ ኣለዎ። ነዚ ሰብ`ዚ ግን ክፉት ኮይንሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ከምድላዩ ከውፍር፡ ምሉእ ፍቓድ ተዋሂብዎ።”

ኣብ`ዚ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ ናይ ትውልዲ ዓዱ ኢትዮጵያ ጸገማት ኣጋጢሞሞ`ዮም። ኣብ`ቲ ብኦሮሞ ዝዕብለል ከባቢ ፡ ደርባ ሚድሮክ ዝተባህለ ኩባንያ ሸኽ ኣላሙዲ፡ ኣብ ሲምንቶን ማዕድን ወርቂን ኣውፊሩ`ሎ።

ናይ ስራሕ ዕድል ዝሓቱ መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ትካላት ተቓውሞን መጥቃዕትን ድሕሪ ምፍጻም፡ ከባቢያዊ ኣመሓደርቲ ንትካላት ማዕድን ኣላሙዲ ስራሕ ደው ብምባል፡ መንእሰያት`ቲ ኸባቢ ኣብኡ ከሰርሑ ኣላሙዲ ክፍቅደሎም ጠሊቦም`ዮም: “ኣብ`ዚ ቐረባ እዋን፡ ኣላሙዲ ምስ ሓለፍቲ ኦሮሚያ፡ ጽቡቕ የለን። ምኽንያቱ፡ ንገለ ካብ ትካላቱ ወሲዶም ንመንእሰያት ከከፋፍሉ ስለዝደለዩ”

ህዝቢ ኦሮሞ መብዛሕቲኡ ካብ ወፍሪ ኣላሙዲ ኣይተረብሐን ይብል ሄኖክ ጋቢሳ።

ኣብ ለጋ ደምቢ ዘሎ ናይ ህዝቢ ህይወት እንተሪኢኻ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኮነ ናይ ክሊኒክ ዕድል ዘይብሎም`ዮም፡ ከምኡ`ውን ናይ ስራሕ ዕድል ኣይረኸቡን ። እንተኾነ መብዛሕቲኡ ሃብቲ ናይ`ዚ ቢልየነር ካብ`ዚ ኸባቢ`ዚ`ዩ ዝመጽእ። ኣብ ዓመት 5,000 ኪሎግራም ወርቂ ይሓፍስ ይብል እዚ ንጉዕዞ ሸኽ መሓመድ ኣላሙዲ ዝከታተል ምሁር ሕጊ፡ ሄኖክ ጋቢሳ።

ኣብ ስዑድያ፡ ብዘይካ ኣላሙዲ ካልኦት ዓበይቲ ሰበ-ስልጣንን ነጋዶን`ውን ተታሒዞም ይርከቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማኦ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG