ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ ብክስታት ብልሽውና 208 ሰባት ምእሳራ ገሊጻ


ከተማ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ
ከተማ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ

ኣኽባሪ ሕጊ ስዑዲ ዓረብ ብክስታት ብልሽውናን ኣስታት 208 ሰባት፡ ብምጥፍፋእ ድማ ካልኦት ልዕሊ 100 ምእሳሮምን ሓቢሩ።

ኣኽባሪ ሕጊ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ካብቶም ዝተአስሩ ሸውዓተ ሰባት ብዘይ ዝኾነ ክሲ ምፍትሖም እንተኾነ ዝተረፉ 201 ግን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘለው ሓቢሩ። ብተወሳኺ ኣስታት 1,700 ናይ ባንክ ሒሳብ ከይንቀሳቀስ ምእዛዙ ገሊጹ።

ነቐፈቲ ብወገኖም መንግስቲ ሓድሽ ኮሚሽን ንምምስራት ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ ሕጂ እዋን እዚ ስጉምቲ ምውሳዱ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ካብ ኣንጻር ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ምስላፍ ንምጽራይን እዩ ይብሉ።

“ብመሰረት ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዘካየድናዮ ምርመራ ኣስታት 100 ቢልዮን ዶላር ኣብ ብብልሽውና ፡ ምጥፍፋእን ብዘይኣግባብ ኣብ ጥቅሚ ዝወዓለ ምኳኑ ፈሊጥና ኣለና” ክብል እቲ መግለጺ ወሲኹ የረድእ።

መንግስቲ ስም ዝርዝር እቶም ኣብቲ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ሰበ ስልጣንን ሰብ ሃብትን ኣይገለጸን።

XS
SM
MD
LG