ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስዑድያ ዝተታሕዙ ሰበ-ስልጣንን ነጋዶን ጉዳይ ፍርዶም ብቅልዑን ርትዓዊን ክሳለጥ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጸዊዑ


ፋይል
ፋይል

እቲ ጻዊዒት ዝስማዕ ዘሎ፡ ንጉስ ሳልማንን ወራሲ-ዓራቱን፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን፡ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ከምኡ እውን ሃብታማት ነጋዶን ሃንደበታዊ ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዶም`ዩ። ካብ መንጎ`ቶም ኣብ ሆተል ሪዝ ካርልተን ከተማ ሪያድ ተታሒዞም ዘለው፡ ካብ ዓለም-ካብ መንጎ ዝሃብተሙ፡ ልዑል ኣልዋሊድ ቢን ጣላል፡ ከምኡ ድማ ኢትዮጵያዊ ሸኽ መሓመድ ሑሰን ኣላሙዲ ይርከብዎም።

ኣላሙዲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ትካላትን ከምዘንቀሳቕስን፡ ኣስታት 40,000 ሰራሕተኛታት ከምዘለውዎ ተሓቢሩ`ዩ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ በቲ ስጉምቲ ከምዝተሓጎሱ ገሊጾም። ወሃቢት ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ሄዘር ኒወት ብዛዕባ'ዚ ከምዚ ይብላ።

"ሰበ-ስልጣን ስዑድያ ነቶም ብብልሽውና ሒዞሞም ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ናብ ፍርዲ ከቕርብዎም ነተባብዕ። ብናጻን ቅልዑን ዝኾነ መስርሕ ፍርዲ ክሓልፉ ድማ ትጽቢት ንገብር።"

ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ምስ`ቲ ፕረዝደንት ትራምፕ ዝበሎ ምቕባል`ቲ ስጉምቲ ማእሰርቲ ዝሰማማዕ እንተኾይኑ ዝተሓተተት ወሃቢት-ቃል፡ እቲ ሕቶ ንቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ`ዩ ዝምልከት ክትብል መሊሳ።

ካልእ ንወሃቢት ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሂዘር ኒወት ዝቐረለን ሕቶ ነዞም ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ነቲ ዞባ ዘየረጋግእ ስጉምቲ ድዩ ንዝብል ሕቶ ግን ኣብቲ ዞባ ንዘለው ተዋሳእቲ ዝግደፍ እዩ ክብላ መሊሰን።

“ብዛዕባ ዘይምርግጋእ እቲ ዞባ እቲ ሃላፍነት ንመን ከምዝግደፍ ንፈልጥ ይመስለኒ፡ ንንጥፈታት ኢራን’ውን ርኢና ኢና። ንጥፈታት ኢራን ኣብ የመን ከምኡ’ውን ኣብ ሶርያ ተዓዚብና ኢና። ምትእትታው ኢራን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት’ውን ርኢና ኢና”ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG