ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቆንስል ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራ ኣካል እቲ ፍታሕ እንተድኣ ኮይና፡ ረድኤት መግቢ ኣብ ደቡብ ሱዳን ክበፅሕ ይኽእል እዩ ይብል


ኤርትራ ወደባ ንደቡብ ሱዳን ዝውዕል ናይ ምግቢ ረድኤት መራገፊ ክኸውን ፈቒዳ።ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ንወደብ ኤርትራ ክጥቀም ካብ 2006 ጀሚሩ እዚ ንፈለማ ግዜ እዩ።

1,100 ሜትሪክ ቶን ናይ ምግቢ ረድኤት ዝፀዓነት ብተነፃፃሪ ንእሸተይ መርከብ ኣብ ወደብ ምፅዋዕ ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ሰነ ምስተራገፈት እቲ ረድኤት ናብ ኮስቲ ሱዳን ተጋዒዙ’ሎ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ወሃቢት ቃል ፕሮግራም ምግቢ ዓልም ቻሊስ ሚክዶኖፍ ምሸላ ከም ሓደ ናይ ምግቢ ረድኤት ክኸውን ምስተገብረ ናብ ደቡብ ሱዳን ተጋዒዙ’ሎ።ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት እቲ ዞባ 190 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ኣብ ደቡብ ሱዳን ተኸፋፊሉ’ሎ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ከቢድ ኩነት ከምዝኾነ ይዛረባ ሚክዶኖፍ።

ንሰን: "ኣዚዪ ዝተሓላለኸ ኩነታት እዩ ዘሎ።ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ፤ዘድሊ ቀረብ ናብ ሰባት ንምልኣኽ እውን ኣፀጋሚ ቦታ እዩ" ኢለን።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከባቢያዊ ምትሕብባር የድሊ እዩ ይብል።እቲ ትካል ወደባት ጅቡቲ፣ሞምባሳ ኬንያን ብምጥቃም ምግቢ ናብ ደቡብ ሱዳን ልኢኹ እዩ።ነፈርቲ እውን ካብ ኢትዮጵያ እናተልዓላ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ምግቢ ካብ ሰማይ ደርቢየን እየን።

ብምፅዋዕ ኣቢሉ ረድኤት ምቕራብ ዕዉት ከምዝነበረን ኣብቲ ኣዚዩ ፈታኒ ዝኾነ ከባቢ ካሊእ ኣማራፂ መንገዲ ከምዝኸውን ሚክዶኖፍ ይገልፃ።ንወደብ ምፅዋዕ ምጥቃም ኣብ ካልኦት መተሓላለፊታት ዘሎ ፅቕትቕጥ ክንኪ እዩ፤ወደብ ጁቡቲ ድማ ኣዚዩ ምፅቕቓጥ ዝበስሖ እዩ ኢለን።

ይኹን እምበር ሚክዶኖፍ: ምስ ካልኦት መተሓለፊታት ክነፃፀር ከሎ ብኤርትራ ዝልኣኽ ረድኤት ዘንጊዑ ከምዝበፅሕን ብዋጋ እውን ክባርን እዩ ይብላ።

ኤርትራ ኣብ 1991 ኣ/ፈ ነፃነታ ካብ እትእውጅ ጀሚሩ ምስ ሰብኣዊ ትካላት ወጥሪ ዝበዝሖ ርክባት እዩ ዘለዋ።

ኣብ ሓምለ 2005 ኣ/ፈ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ትካል ዓለምለኸ ልምዓት USAID ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ካብ ኤርትራ ክወፅእ ሓቲታ።ካልኦት ዓለምለኸ ትካላት እውን ኣብ 2006 ኣ/ፈ ካብታ ሃገር ሰጊጓተን።

ምፅዋዕ ክጥቀምሉ ምፍቃዳ ኤርትራ ማዕፁኣ ትኸፍት ከምዘላን ምስ ዓለም ፅምዶ ክህልዋ ድልየት ከምዘለዋን ዘርኢ መርትዖ እዩ ይብላ።

ኣስመራ ኣብዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ሓላፊ ቆንሱላ ሉዊዝ ማዜል እዚ ነታ ሃገር ኩሉ ተዓዋቲ ዝኾነሉ/win-win/ ኩነታት ዝፈጥር እዩ ይብሉ።ኣብቲ ወደብን ኣብ ኢንዱስቱሪ መጎዓዚያን ስራሕ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ኣለዎ፣ዞባዊ ውህደት እውን ዘተባባዕ እዩ ይብል።

ማዜል ኣብ ናይቲ እምባሲ ናይ ፌስቡክ ገፅ ኣብ ዝፅሓፎ መልእኽቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ኤርትራ ኣካል እቲ ፍታሕ እንተድኣ ኮይና ናይ ምግቢ ረድኤት ኣብ ደቡብ ሱዳን ክበፅሕ ይኽእል እዩ ይብሉ።

ምፅዋዕ ንከምዚ ዝበለ ስራሕ ንነዊሕ ግዜ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኑ ብምፅንሑ እቲ ፈተነ ኣድላዩ እዩ ነይሩ ይብላ ሚክዶኖፍ። " ናይቲ ወደብ መሳለጥያታት፣መሰረተ ልምዓት ኣባይትን መጎዓዚያን ከመይ ከምዝኾነ ክንፍትኖ ነይሩና" ድማ ኢለን ።

ሰበስልጣን ኤርትራ እቲ ሬድኤት ምግቢ ኣብ ምፅዋዕ ምርጋፉ ኣብ መንጎ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ዝህሊ ርክብ ክዓቢ ዘኽእል እዩ ይብሉ።

ምንስቴር ሓበሬታ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ካልኦት ዞባዊ ምትሕብባራት ይስርሐሎም ከምዘለውን 24 ሓምለ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰሙናዊ በረራ ክህሊ ናይ ስቪል ኣቪየሽን ስምምዕ ተፈራሪመን ኣለዋ ክብሉ ኣብ ቲዊተር ፅሒፎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG