ዓቀብቲ ሕጊ ኢጣልያ ኣሽሓት ኣፍሪቃዊያን ናብ ኢጣልያ ኣስጊርካ ተባሂሉ ንዝተኸሰ ኤርትራዊ ነፃ ከውፅእ ዝኽእል ናይ DNA መርትዖ ኣይንቕበልን ኢሎም።
ሰበስልጣን ኢጣልያ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝሓዙዎ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሃ ብጌጋ ዝተኸሰሰ ሰብ ምኳኑ መርትዖታት እንተቐረቡ እውን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክርኣይ ዝፀንሐ ጉዳዩ ቀፂሉ’ሎ።
ናይ መድሃኔ ተስፋማሪያም በርሀ ጠበቓ ሚሸለ ካላንትሮፖ ዝሓለፈ ረቡዕ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ 45 ደቓይቕ ሞገተ ዓሚሎም ብጌጋ ዝተትሓዘ ሰብ እዩ ኢሎም ኣለው።
59 ዓመት ዝዕድሚአን ወ/ሮ መዓዛ ዘርኣይ ወልዳይ ወላዲት ኣዲኡ ንመድሃኔ ተስፋማሪያም በርሀን ምዃነን ዘረጋግፅ ናይ DNA ምርመራ ክህባ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣስመራ ተበጊሰን።
ናይ በርሀ ጠበቓ ካላንትሮፖ እቲ ንስደተኛታት ብምስግጋር ዝጥርጠር ሰብ ምስ መድሃኔ ተመሳሳሊ ሽም ከምዘለዎን መድሃኔ ተስፋማሪያም በርሀ ኣብ 2016 ዓ.ም ብጌጋ ኣብ ሱዳን ዝተኣስረ ሰብ እዩ ኢለን ይኣምኑ።
ዓቀብቲ ሕጊ ምስቲ ኣብ ቁፅፅር ዘውዓልዎ ሰብ ዘይመሳሰል ፎቶታት ኣቕሪቦም።እቲ ስእሊ ምስቲ ብሓቂ ዘይሕጋዊ ኣስጋሪ ደቂ ሰባት ተባሂሉ ናይ ዝእመን መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ይመሳሰል።
ንሱ ዘይምዃኑ ተወሰኽቲ መርትዖታት ቀሪቦም እዮም።ዓቀብቲ ሕጊ ክሲ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዝነበረ፣ኣብ 2014 ዓ.ም ናይቲ ተጠርጣሪ ሰብ ጠሊፎም ዝቐድሑዎ ድምፂ ምስ ናይ መድሃኔ ተስፋማሪያም በርሀ ከምዘይመሳሰል፣ብመድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ዝሰገሩ ሰባት መድሃኔ ተስፋማዊያም በርሀ ዘይምዃኑ ምግላፆም፣ኣብ ስዊድን እትነብር ሊዲያ ተስፋይ ዝተበሃለት በዓልቲ ቤቱ ንመድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ከይተረፈት ሰበስልጣን ጣልያን ንዝተጋገየ ሰብ ምሓዞም ምግላፃ/ድምጺ ኣሜሪካ ንሊድያ ንምዝርራብ ፈቲኑ ኣይተዓወተን/ ወዘተ ተጠቒሶም ኣለው።
ዓቀብቲ ሕጊ ነቲ ሓድሽ ናይ DNA ምርመራ ከምዘይቕበሉዎ ገሊፆም ኣለው።ኣብ ኢጣልያ ካብቲ ምርመራ ወፃኢ መርትዖ ቅቡል ንክኸውን ክልቲኦም እቲ ዓቃቢ ሕግን ጠበቓን ክሰማምዑ ኣለዎም።
ብመሰረት ፀብፃብ ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ዓቃቢት ሕጊ ኣናማሪያ ፒኮዚ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝሃብኦ ቃል “ሕጋዊ መስርሕና ኣብ DNA ከይኮነስ ኣብ ካልኦት ሓበሬታታት ዝተመስረተ እዩ’ ኢለን።
ኣብ ኖርወይ እንትነብር ሓፍቱ ንመድሃኔ ተስፍማሪያም በርሀ ህይወት ተስፋማሪያም በርሀ ፍትሒ ተደፊኑ’ሎ ኢላ ትኣምን።እንተኾነ ግን ናብቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ምስክርነት ንምሃብ እውን ሰባት ከምዘድሕርሕሩ ህይወት ትገልፅ።
እቲ ጉዳይ ን9 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ክቕፅል ቤት ፍርዲ ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።