ካብ 157 ሃገራት ዝተዋጽኡ ተማሃሮ ዝሳተፍዎ ዓለምለኸ ውድድር ሮቦት ዋሽንግተን ዲሲ ትማሊ ሶሉስ ተዛዚሙ። ኣብዚ ናይ ዋሽንግተን ዓለምለኸ ውድድር ሮቦት ዝሳተፉ ኣብ ክሊ ዕድመ 9-18 ዓመት ዝርኸቡ ተማሃሮ ክኾኑ ኸለው እቲ መድረኽ እቶም ተማሃሮ ንሓድሕዶም ተመክሮ ዝለዋወጥሉን ናይ ቴክኖሎጂ ድልየታቶምን ክእለቶምን ዘማዕብሉ አጋጣሚ’ዩ ኔሩ።
ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዑደት ብምክያድ ኣብ ጉዳያት ጸጥታን ካልኦትን ምስ ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ተዘራሪቦም። ብዛዕባ እቲ ዑደት: ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ መለስ ኣለም ኣብ ስትድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ተረኺቦም መብርሂ ሂቦም ነይሮም።
ዳይሬክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም/WHO/ ንምምራፅ ሎሚ ሶኑይ ጉባኤኡ ጀሚሩ’ሎ።ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትር ወፃኢ ከምኡ እውን ሚኒስትር ጥዕና ዝነበሩ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝርኸብዎ ሰለስተ ሕፁያት ተዳልዮም ኣለው።ዶ/ር ቴድሮስ ሕፁይ ኮይኖም ምቕራቦም ኣብ ኢትዮጵያዊያን ምክፍፋል ፈጢሩ’ሎ።ዓለምለኸ ክኢላታት እውን ከምኡ ዝተሓዋወሱ ርእይቶታት ይህቡ ኣለው።
ቁጠባ ዓለም ብዝሓሸ ዕብየት ክቕጽል’ዩ ክብል ትካል ገንዘብ ዓለም ትንበይኡ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዝኾነ ዳዳብ መዓስከር ስደተኛታት ን300 ሺሕ ስደተኛታት ምዕቓቡ ካብዚኣቶም ድማ 12 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ምኻኖም ኣብ ሕ/ሃ ኮሚሽን ስደተኛታት ሓቢሩ። መንግስቲ ኬንያ ነቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ዝኾነ ዳዳብ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝዓጽዎ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።ኣብቲ መዓስከር ተዓቑቦም ዝጸንሑ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት መንግስቲ ነቲ መዓስከር ክዓጽዎ ምዃኑ ከምዝገለጸሎም ይሕብሩ። እዚ ድማ ኣብ መነባብርኦም ዓብይ ጽልዋ ከምዘሕደረ ይሕብሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ደርቅን ኮሌራን ንመነባብሮ ዜጋታት ጸገም ይፈጥር ኣሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ልዕሊ 35 ሰባት ሞይቶም ክብል ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣፍሊጡ።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ኣባላት ማሕበረሰብ ኦሮሞ ምስ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ሰሜን ኣሜሪካ ብምትሕብባር ሎሚ ዓርቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ኢትዮጵያ ብናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ካብ እትመሓደር 10 መዓልታት ኮይኑ’ሎ።ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝተኻየዱ ተቓውሞታትን ዕግርግርን ስዒቡ መንግስቲ ዘውፅኦ ናይ ህፁፅ ኣዋጅ መሰል ዜጋታት ካብ ምድራት ዝዘለለ ፍታሕ ኣይኮነን ክብል ሓደ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ገሊፁ።
ኣሜሪካ ስደተኛታት ንዘተአናግዳ ሃገራት ብቀጥታ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብምሃብን ንሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ካልኦት ትካላት ንስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝሕግዝሉ ነባሪ ቁጠባዊ ረብሓ ዝረኽባሉ ተወሳኺ ሰለስተ ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ከምትህብ ኣፍሊጣ።
ፅንፊ ዝሓዙ ጉጅለታት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብምጥቃም ዝተጋገየ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ፅልኣት እናጋፍሑን ምዃኖም ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣተሓሳሲቦም።
ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ሽዱሽተ ሓገዝቲ ሃገራት ዘሳትፍ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዓለም ጉባዔ መራሕቲ ዓለም የካይዱ’ለው።
ኣብ 2016 ናይ ሪዮ ኦሎምፒክ ናይ ማራቶን ውድድሩ ክዛዝም ከሎ ክልተ ኣእዳው ኣጣሚሩ ናይ ተቓውሞ ምልክት ዘርአየ ወዲ 26 ዓመት ኣትሌት ለሊሳ ፈይሳ ሎሚ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ብኣካል ብምምፃእ ኣብዝተፈላለዩ መደባት ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ጋሻ ኮይኑ ውዒሉ’ሎ።
ተወሳኺ ጽዓን