ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልላት ኦሮምያን ደቡብን ኣብ መንጎ ትካላት ሕርሻን ነበርትን ግጭት ምፍጣሩ ተሓቢሩ


ፋይል- ኢትዮጵያዊ ሓረስታይ ኣብ ከባቢ ጅማ
ፋይል- ኢትዮጵያዊ ሓረስታይ ኣብ ከባቢ ጅማ

ኣብዚ ቅንያት ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ደቡብን ኣብ መንጎ ሰፋሕቲ ትካላት ሕርሻን ነበርትን ብሰንኪ ሕቶ ተጠቃማይነትን ደሞዝን ግጭት ተፈጢሩ ብዙሕ ንብረት ዓንዩ’ሎ።

ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ደቡብ ጥቓ ከተማ ቦንጋ ኣብ ዝርከብ ጎጀብ ዝተበሃለ ገጠር ዝርከብ 250 ሄክታር ሕርሻ ብነበርቲ እቲ ከባቢ መጥቓዕቲ ተፈፂሙዎ’ሎ።

‘’መሬትና ወሲዶም ኣብ መሬትና የሸቅሉና ኣለው’’ ብዝብል ንተቓውሞ ዝወፁ ሰባት ማሸላ ባሕሪ፣ሙዝን ኣናናስን ዝምረተሉን ዋንነቱ ናይ ሸኽ መሓመድ ኣል-ኣሙዲ ዝኾነ ሆራይዘን ፕላንተሽን ብዝብል ዝፅዋዕ ሕርሻ ብሓዊ ተባሪዑ፣ዓንዩ፣ትራክተራት፣ኮምባይነራትን ዝኣመሰሉ ናይ ሕርሻ ማሽናትን ሞተርብሽክሌታትን ብሓዊ ነዲዶም ኣለው።

ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩን ንደሕንነቶም ብምስጋእ ስሞም ክጥቀሰሎም ዘይደለዩን ነባሪ መንቀሊ ቁጥዐ ናይቲ ህዝቢ ብከምዚ ይገልፁዎ።

“መጀመሪያ እቲ ሕቶ ክልዓል ከሎ ሕቶ ደመወዝ እዩ ነይሩ።ቀፂሉ መሬት ይውሃበና ዝብል ኮይኑ።ተወሊድና ዝዓበናሉ መሬት ተመንጢልና፤ብሊዝ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ እውን የብልናን፤ኣብ ናይ ባዕልና መሬት ናይ ካልኦት ኣገልግለቲ ኮይንና፤ዝኽፈለና 600 ብር ጥራሕ እዩ ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒሎም ካብ ዞባ ዝመፁ ሰበስልጣን ሕቶኹም እዚ እንተኾይኑ ኣይክንምልሶን ኢና ኢሎም።እቲ ዝተኣከበ ሰብ ድማ ዘይትምሉስልና እንተድኣ ኮይንኹም ንሕና እውን ኣይንፈልጠኩም ብምባል ተፈላሊና።”

እቲ ሕርሻ ካብ እዋን ደርጊ ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ልምዓት ሕርሻ መንግስቲ ከምዝነበረን ኣብ ኢህወዴግን እውን ብከምኡ ድሕሪ ምቕፃል ኣብዝተወሰነ ግዜ ናብ ናይ ውልቂ ሕርሻ ከምዝተዛወረን ገሊፆም።

ኣብዚ ናይ ሕርሻ ትካል እዚ 205 ቀወምቲ ሰራሕተኛታት፤ካብ 500 ክሳብ 600 ዝኾኑ ድማ ግዚያዊ ሰራሕተኛታት ከምዘለዎ ሓደ ሽሞም ክግልፀሎም ዘይደለዩ ምንጪ ኩባኒያ ሜድሮክ ተዛሪቦም ኣለው።ንሶም ብተወሳኺ ዝወረደ ዕንወት ልዕሊ 20 ሚሊዮን ብር ከምዝኸውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ጉድኣት ምውራዱ ዘረጋገፁ ኣዛዚ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ቃል ኣትዮም ነይሮም።መሊስና ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝመደብሩ ሆራይዘን ፕላንቴሽን ሳውዲ ስታው ሓዊሱ ኣብ ትሕቲኡ ብርክት ዝበሉ ናይ ሕርሻ ትካላት ዝሓቖፈ እዩ።ኣብ ከባቢ ሊሙ ኣስታት 12 ሽሕ ሄክታር መሬት ብምክራይ ቡን ኣብ ምልማዕ ይርከብ።

እዚ ናይ ቡን ሕርሻ ኣብ እዋን ምእራይ ቡን 20 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣብ ካልእ እዋን ድማ ካብ 7 ክሳብ 9 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣብ ዓመት ኣውፊሩ ዘስርሕ ክኸውን ከሎ 3,200 ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ዝሓዘ እዩ።ኣብዚ እውን ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ሕቶ ተጠቃሚነት ከምዝልዓለን ይኹን እምበር እቲ ትካል ኣብቲ ከባቢ ናይ መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ሃኒፁ ብምርካብ ንናይቲ ከባቢ ስፖርት እውን ከምዝሕግዝ ኩባኒያ ሜድሮክ ይገልፅ።

ኣብ ባንኪ ዓለም ልዕሊ 30 ዓመታት ዝሰርሑ በዓል ሞያ ቁጠባ ዶ/ር ኣክሎግ ቢራራ ኣብ መንጎ እቶም ትካላትን ማሕበረሰብን ይፍጠር ብዛዕባ ዘሎ ግጭት ክዛረቡ ከለው ሰባት ናይቲ ትካል ተጠቃሚ ክኾኑ ከለው ዋንነት ከምዝስምዖምን ተጠቀምቲ እንተድኣ ዘይኮይኖም ግን ብኻልእ ዓይኒ ከምዝሪኡዎም ብኣብነት ከምዚ ክብሉ ይዛረቡ።

“ንኣብነት መዓልታዊ ሰራሕተኛ ዝረኽቦ ክፍሊት ኣዚዩ ትሑት እዩ።ሎሚ ተመሓይሹ እንተኾይኑ ኣይፈልጥን።ግን ኣታዊ መዓልታዊ ሰራሕተኛ ምስ ናይ ናብርኡ ኣይጠዓዐምን።ስለዚ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ነባሪ ተጠቃሚነቱ ኣይሪኦን ዘሎ።መሬተይ ተመንዚዐ፣መዓልታዊ ሰራሕተኛ ኮይነ ኣለኹ እዩ ዝብል።”

ሳውዲ ስታር ዝወሰዶ ልሙዕ መሬት ከባቢያዊ ዕንወት ከምዘውረደን እቲ ሕርሻ ለሚዑ እንተኾይኑ እውን ብዋጋ ናይቲ ከባቢ ነባሪን ከባቢያዊ ሓለዋን እዩ ኢሎም።ኣብ ውሽጢ ሃገር ዋሕዲ መግቢ እናሃለወ እቲ ዝምረት ሩዝ ኣበይ ይሽየጥ ኣሎ ዝብል እውን ካልእ ፀገም እዩ ኢሎም።

ኣብ ፖሊሲ ልምዓት ሕርሻ ኢትዮጵያ መፅሓፍ ዝፅሓፉ ዶ/ር ደምስ ጫንያለው ትኹረት ፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ዝመፁ ዓበይቲ ኩባንይታት ከይኮነስ ንናእሽቱ ሕርሻ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ርእይቶ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሆራይዘንን ሜድሮክን ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG