ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኦሮሞ ሚዲያ ኔትዎርክ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ምልኣኹ ገሊጹ


ኣብ ኣሜሪካ ዝመደብሩ ናይ ኦሮሞ ሚዲያ ኔትዎርክ/OMN/ ኣብ ኢትዮጵያ መራኸቢ ብዙሃን ንምጥያስ ዘኽእሎ ኩነታት ዘፅንዕ ጉጅለ ናብ ኢትዮጵያ ምልኣኹ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይቲ ትካል ኣቶ ጀውሃር መሓመድ ገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ትካልን ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ጀውሃር፣ ተሌቪዥን ኢሳትን ኣመራርሓ ግንቦት ሸውዓተን ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተልዓለ ክኸውን ከሎ ሓፈሻዊ ናይ ሕግን ካልኦት ኣሰራርሓን ንምፅናዕ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ምጉዓዙ ኣቶ ጀውሃር መሓመድ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፁ።

“ካብዚ ካብ ሰሜን ኣሜሪካ ብምኽትል ዳይረክተር መሓመድ ኣብዶሽ ዝምራሕ ካልኦት ክልተ ኣባል መሪሕነት ዝርከብዎ ልኡኽ እዩ ተጓዒዙ።ካብ ካልኦት ስቱዲዮታት እውን ናይ ኤድቶሪያል ኣባላት ክካየዱ እዮም።”

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ሚዲያታት ናብ ሃገሮም ኣትዮም ክሰርሑ ዘቕረብዎ ፃውዒት ናይቲ ትካል ቦርድ ተኣኪቡ ግቡእ ምዃኑ ከምዝገለፀ ዝሓበረ ጀውሃር ዕንቅፋት ዝኾኑ ሕግታትን ኣሰራርሓታትን ንክልዓሉ ሓቲትና ኣብ ልዕሊ ትካሉን ባዕሉን ዝነበረ ክሲ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜን ከምዝተልዓለ ሓቢሩ።ዝተረፉ ዕንቅፋታት እውን ንምፍታሕ ሰበስልጣን ይገልፁ ብምህላዎም ነቲ ጉጅለ ንምልኣኽ ከምዝወሰነ ወሲኹ ገሊፁ።

ንሱ ብተወሳኺ ይርአ ዘሎ ተስፋ ምጥቓም ኣገዳሲ እዩ ኢልና ስለዝኣመና እቶም ዕንቅፋት ዝኾኑ ሕግታት ክሳብ ዝልዓሉ ካብ ምፅባይ ሓደ ሓደ ቅድመ ኩነታት ንምስራሕ እቲ ጉጅለ መፅናዕትን ሰሪሑ ምስተመስለ ናብ ውሳነ ክንኸይድን ኢና ኢሉ።

XS
SM
MD
LG