ኣብዚ ኣብ ዋና ከተማ ኣሜርካ ዋሽንግተን ዲሲ ንሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደ ዓለምለኸ ውድድር ሮቦት ትኹረት ብዙሓት ዝሰሓበ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጻ ምሉእ አባላት እታ ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ጉጅለ ኮይና፡ እዛ ጉጅለ ናብቲ ውድድር ንምስታፍ ክልተ ጊዜ ናብ ኣሜሪካ መእተዊ ቪዛ ምኽልኻለን ድሒሮም ብምትእትታው ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ቪዛ ረኺበን ናብቲ ውድድር ምስታፈን ይፍለጥ።
ካልእ ኣብዚ ውድድር ንሃገሮም ወኪሎም ዝተሳተፉ ተወዳደርቲ ናይ ሃገሮም ባንዴራ፡ ባህላዊ አልባሳት ተኸዲኖም ከምኡ’ውን ናይ ሃገራቶም ሙዚቃ ሒዞም ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ ቀንዮም።
ካብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ውድድር ዝተሳተፉ ዘለው ሽዱሽተ አባላት ዘለዎ ጉጅለ ተማሃሮ ማይ ዘጻርይ ሮቦት ብምምሃዝ ናብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ኽኮኑ ከለው አባል እታ ጉጅለ ዝኾነ ብዕድመ ዝነአሰ ወዲ 12 ዓመት ብሩክ አብዮት ብዛዕባ’ቲ ውድድር ከምዚ ይብል።
“ናብዚ ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ውድድር ንምእታው ዝደረኸኒ ኣብ ቴክኖሎጂ ብዘለኒ ልዑል ፍቕሪ ኮይኑ ነዚ ንምምሕያሽ እዩ። ናብዚ ውድድር ብዙሕ ዲዛይን ሰሪሕና ኔርና ናብ ናይ መወዳእታ ዙር ዝበጽሓ ግን እዚ እዩ። እዚ ድማ ንኹሉ ዝሰማማዕ ጌርና ስለዝሰራሕና’ዩ።”
እዚ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ጉጅለ ተማሃሮ ዝተፈላለየ ዕድመ፡ኽእለትን ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም አባላት ዝሓቖፈ’ዩ። ወሃቢ ቃልን አባል እታ ጉጅለ መለስ የኋላሸት እዞም አባላት እዛ ጉጅለ ካብ ዝተፈላለዩ ቤት ትምህርትታት ዝተዋጽኡ ቅድሚ ሕጂ ዘይፋለጡ ከምዝኮኑ ብምግላጽ ብኸመይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ደረጃ ክበጽሑ ከምዝከአሉ ከምዚ ክብል የረድእ።
“ብሳይንስ፡ቴክኖሎጂን ዓውዲ ምህንድስና ኣብ ክሊ ዕድመ 9-18 ዓመት ዝርኸቡ ተማሃሮ ናይ ምምሃዝ ተበግሶ ዘለዎም ብምትእኽካብ ፈተና ድሕሪ ብምሃብ ነቲ ፈተና ዝሓለፉ ናብዚ ጉጅለ ተጸንቢሮም። ብተወሳኺ ናይ ምምሃዝ ክእለቶም ተጠቒሞን ንመጻኢ ጽቡቕ ስርሓት ክሰርሑን ንሃገሮም ክጠቕምኡን ከጸውዑን ዝኽእሉ ከምኡ’ውን ጸገማት ክብድሁ ዝክእሉ ተማሃሮ ንምፍራይ ዝዓለመ’ውን እዩ።”
ኣብዚ ውድድር ካብ ዝሳተፉ ዘለው ጉጅለታት 80 ሚእታዊት ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ወይ ዝተመስረተ ጉጅለታት እዮም። ኣብቲ ውድድር ካብ ዝተሳተፉ 830 ተማሃሮ 209 ደቂ ኣንስትዮ እየን። ምሉእ አባላተን ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነ ጉጅለታት ዘሳተፋ ሃገራት ኣፍጋኒስታን፡ኣሜሪካ፡ጋና፡ጆርዳን፡ካብ ግዝ ኣታት ፍልስጤምን ደሴታት ቫኑታን ዝመጻ ጉጅለታትን እየን።
ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ጉጅለ ተማሃሮ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ አባላት ዘለውዎ እዩ።
ብዘይካ ንሃገራቶም ወኪሎም ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ጉጅለታት ብጉጅለ ስደተኛታት ወይ ጉጅለ ተስፋ ዝጽውዑ ሰለስተ አባላት ዘለውዎም ሶርያዊያን ኣብቲ ውድድር ምስታፎም ተገሊጹ አሎ።