ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቱ ናይ ኮምፒተር ስለያ ይገብር ኣሎ ክብል ሂማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቱ ብሓዲሽ መልክዕ ዝተዋህደ ናይ ኮምፒተር ስለያ ይገብር ኣሎ ክብል ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቓወምቲ ውልቀሰባትን ውድባትን ኣብ ሃገራት ወፃኢ ከይተረፈ ፕሮግራም ስለያ ኮምፒተር ብምጥቃም ከምዘጥቕዖም ዝገለፀ ሂማን ራይትስ ዎች ብኮምፒተር ምስላይ ብዝምልከት ዘይሕጋዊ ዝገብር ሕጊ ወይ ዓለምለኸ ሕጊ ከምዘየለ ይገልፅ።ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምላሽ ንክህብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

እቲ ትካል ብተወሳኺ እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝነብሩ ተቓወምቲን ናይ ተቓወምቲ መራኸቢ ብዙሓንን ደለይቲ ለውጢ ዒላማ ዝገበረ’ዩ ይብል።

ትማሊ ዝወጸ መግለጺ ሂማን ራይትስ ዎች ከም ምንጪ ዝተጠቐመሉ ኣብ ከተማ ቶረንቶ ዝመደበሩ "ሲቲዜን ላፕ" ዝተባህለ ናይ መጽናዕቲ ትካል ዘውጽኦ ቴክኒካዊ ሪፖርት’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG