ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ብዝተራእየ ደርቅን ኮሌራን ልዕሊ 35 ሰባት ሞይቶም ክብል ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ደርቅን ኮሌራን ንመነባብሮ ዜጋታት ጸገም ይፈጥር ኣሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ልዕሊ 35 ሰባት ሞይቶም ክብል ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኸአ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ኣብ ምሉእ’ታ ሃገር ንኩነታት ደርቂ ዝግምግም ሓደ ግብረ ሓይሊ ከምዘዋፍር ገሊጹ’ሎ።

ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ህጹጽ ብዝብል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዝናብ የለን ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ኦጋዴን ዝተኸዘነ መግቢ ኸአ ኣዝዩ ብዝቐልጠፈ ኩነታት ይውዳእ ኣሎ ጥሪት ክሞታ ጀሚረን ኣለዋ ኢሉ። እዚ ኸአ በቲ ዘይተአወጀ ኣብ ኦጋዴን ዝትግበር ማዕቀባት መግብን ረድኤትን ተጋዲዱ ዝበለ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስኡ ብዝተሓባበሩ ሚሊሻታት ውልቀ ሰባትን ብጥምየት እናሞቱ ኸለው መግብን ካልኦት ቀረባትን ብስም ቁጽጽር ኮንትሮባንድ ይምንዝዑ ኣለው’ውን ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG