ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ከይዲ ዲሞክራሲ ኢትዮጵያን ንምትዕርራይ ዝዓለመ ረቂቅ ንውሳነ ከቀርብ ሓደ ኣባል ቤት ምክሪ ኣሜሪካ ሓቲቶም


ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ከይዲ ዲሞክራሲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንምትዕርራይ ዝዓለመ ረቂቅ ሕጊ ንውሳነ ከቀርብ ሓደ ተሰማዒነት ዘለዎ አባል ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ሓቲቶም።

ብኻልእ እወገን እዚ HR 128 ተባሂሉ ዝፍለጥ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ረቂቅ ሕጊ ኮንግረስ ኣሜሪካ እንተጸደቀ’ውን ተጽዕኖ የለን ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።

እዚ ረቂቅ ሕጊ ንክጸድቅ ካብ መንጎ ዝሓቱ አባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያን ኮይኖም ብቀጻሊ ድምጾም ከስምዑ ጸኒሖም’ዮም ኢሎም አለው።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ቅድሚ ኮሚቴ ኣርቃቂ ሕጊ ጉዳያት ወጻኢ ኮንግረስ ቀሪቡ ብምሉእ ድምጺ ናብቲ ባይቶ ዝሓለፈን ረቂቅ ልዕሊ 70 ዝኾኑ ዲሞክራትን ሪፖብሊካዊያን ዝደገፍዎ’ዩ።

ኣብ ኣሜሪካ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ናይ ኮሎራዶ ኮንግረስ ማን ማይክ ኮውፍማን ትማሊ ንምሉእ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ አባላት ኮንግረስ ነቲ ረቂቅ ሕጊ ውሳነ ክህብሉ ሓቲቶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG