ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ኣካይዱ


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ አቶ መለስ ዓለም
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ አቶ መለስ ዓለም

ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዑደት ብምክያድ ኣብ ጉዳያት ጸጥታን ካልኦትን ምስ ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ተዘራሪቦም። ብዛዕባ እቲ ዑደት: ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ መለስ ኣለም ኣብ ስትድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ተረኺቦም መብርሂ ሂቦም ነይሮም።

ብናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ዝምራሕ ናይ ኢትዮጵያ ጉጅለ ልኡኻት ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካን ኣባላት ኮንግረስን ኣብ ጉዳያት ፀጥታን ካልኦት ንምትሕብባር ዝርርብ ኣካይዶም ኣለው።ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ መለስ ኣለም ዕላማ ናይቲ ጉዕዞ ከምዚ ክብሉ ይገልፁ።

“ቀንዲ ዕላማ ናይዚ መገሻ እዚ ቀዳማይ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ 72 ሃገራት ኣባል ዝኾናሉ ዓለምለኸ ጥምረት ፀረ-ዳዕሽ ኣብ ዘካየድኦ ኣኼባ ንምስታፍ እዩ።ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ምስ ላዕለዎት ሰበልስጣን መንግስቲ ኣሜሪካ ብፍላይ ድማ ሰበስልጣን ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካን ምስ ኣባላት ኮንግረስን ኣብ ርክባት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ከምኡ እውን ብዛዕባ ከባቢያዊ ጉዳያት ንምዝርራብ እዩ።”

ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዘተኮረ ነዊሕ ዝፀንሐ ርክብ ስለዘለወ እዚ ርክብ ሓይሉ ንክቕፅል ዝተኻየደ ዝርርብ ዕዉት ነይሩ ኢሎም።

ኣብ ጉዳይ ፀረ-ዳዕሽ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ወታደራዊ ጉዳያት ሓዊሱ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ዓለምለኸ ግብረ ሽበራን ዝጥንሰሰሉ፣ዝውለደሉ፣ዝዓብየሉን ዝበሉዎ ማሕበራዊ መራኸቢ (ሶሻል ሚዲያ) መደምደምታ ክብጻሕ ኣለዎ ድሕሪ ምባል ኣብ ዘይወታደራዊ ዝኾኑ ጉዳያት እውን ዘተ ከምዝተገብረሉ ወሲኾም ገሊፆም።

ኣብ ሃገራት ጋልፍ ብሰንኪ ዝተኸሰተ ቅልውላው ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ናይ ኢትዮጵያ መርገፂ ዝተሓተቱ ኣቶ መለስ ኣለም ምስ ምስሓብ ወታደራት ቐጠር ካብ ኣሰሓሓቢ ቦታ ዝተፈጥረ ወጥሪ ኢትዮጵያ ብቐረባ ከምእትከታተሎ ብምግላፅ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ አጻራይ ጉጅለ ናብ ክልቲአን ሃገራት ክልኣኽን ኢጋዳ ዘቕረቦ ፃውዕትን ትድግፍ ኢሎም።

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ኣተኲሩ ይከታተሎ’ሎ፤ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩነታትን ውጥረትን ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ከይኸውን ሕብረት ኣፍሪቃ ስጉምቲ ክወስድ መርገፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ።”

ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ጅቡቲን ኤርትራን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ኣብ ምፍታሕ ኣወንታዊ ተራ ትፃወት እንተኾይና ኣብ ናይ ኤርትራዊያን መርበብ ሓበሬታታት ዝልዓሉ ስኽፍታትን፣ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብዝምልከት ክኽተለዮ እየ እትብሎ ሓድሽ ፖሊስ መዓዝ ከምዝወፅእን እውን ዝተሓቶ ኣቶ መለስ ከምዚ ክብሉ መሊሶም።

“መንግስቲ እትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ዝፍጠሩ ምስሕሓባት ብሰላማዊን ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መርገፂ ናይ ሎሚ ወይ ናይ ትማሊ መርገፂኡ ኣይኮነን።ኣብ መትከል ዝተመስረተ ንነዊሕ ዝፀንሐ መርገፂኡ እዩ።ምስ ኤርትራ ብዝተኣሳሰረ ከመይ ክኸይድ ኣለዎ ዝብል መንግስቲ ዝሓዞ ጉዳይ ኣሎ፣ኣብዚ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተዓቂበ ኣለኹ።እዋኑ ምስ በፅሐ ወግዓዊ ኽኸውን እዩ።”

ምስ ምምራፅ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ተኣሳሲሩ ዝህልው ርክብ ዝተሓተቱ ኣቶ መለስ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ግጥም ፀረ ድኽነት መሪሕ ተራ ክፃወት ድልየት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብምሕባር ብወገን መንግስቲ ኣሜሪካ ግን ብቐፃልነት ዝርአ እዩ ክኸውን ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ብብዓመቱ ብዛዕባ ዝንቀፈሉ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ክምልሱ ከለው ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ተመሳሳሊ ዝኾነ መርገፂ ከምዘለዎም ብምግላፅ ኣብ ገለ ድማ ንዘይምስምማዕ ንሰማምዐሎም ጉዳያት ኣለው ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራስን ናይ ምንባርን ዘይንምባርን ጉዳይ ጌሩ እዩ ዝርእዮ፤ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ገለ ጉዳያት ናይ ኣረኣእያ ኣፈላላይት ኣለና፤ኣብ መንጎ ሚንስተራት ጉዳያት ወፃኢ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ኣሎ ሓደ ናይ መዘራረቢ ዓውዲ እውን እዚ ናይ ዴሞክራስን ሰናይ ምሕደራን ጉዳይ እዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG