ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንተቓወምቲ ክሕግዙ ተሰማሚዖም ክትብል ትኸስስ፡ ኢትዮጵያ ነዚ ክሲ ትነጽግ


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ አብይ አሕመድ ኣብ ቀረባ ኣብ ካርቱም ሱዳን ናይ ስራሕ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ ክልቲኣን ሃገራት ንተቃወምቲ ኤርትራ ዝበልዎም ጉጅለታት ብዝግባእ ስርሖት ንክሰርሑ ኣብ ከባቢ ዶባት ብነጻነት ክንቀሳቀሱን ዘድልዮም መሳርሕን ናውትን ንኽቅርብሎም ተሰማሚዖም ክብል ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ክሲ አሉታዊ መልሲ ሂቡ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዝተጠቅሰ ንምፍጻም ዝባኽን ጊዜን ሃብትን የብሉን ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት አቶ መለስ አለም ንድምጺ ኣሜርካ ሓቢሮም።

አቶ መለስ አለም ብዛዕባ’ዚ ብኤርትራ ዝቐረበ ክሲ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ከምዚ ዓይነት ክሲ ብወገን ኤርትራ ክቐርብ ሓድሽ ኣይኮነን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG