ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዝደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንድ ኣብ ሃገሮም ዝርኸብ “ካሊ” መዓስከር ስደተኛታት ከምዘፍርስዎ ብወግዒ ተዛሪቦም ኔሮም።ካብ ትማሊ ሶኑይ ሰዓታት ንግሆ ጀሚሩ ድማ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ኣብ ዝተዳለውሎም ኣውቶቡስ ብምጽዓን ናብ ካልእ ማእከል ስደተኛታት ክጉዓዙ ተራእዮም እዮም።
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2016 ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ጣልያን በጺሖም፡ መብዛሕትኦም ካብዚኦም አፍሪቃዊያን ኽኾኑ ኸለው ናብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ጉዕዞኦም ክቕጽሉ ዝደልዩ’ዮም። እንተኾነ ግን ዝሓለፈ ዓመት ዝወጸ ፍተሻ ዶባት ናብ ዝደልይዎ ክንቀሳቀሱ ኣይፈቐደሎምን።
ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ታሕሳስ 2011 ዓ.ም 11 ጥቅምቲ ዓለምለኸ መዓልቲ ኣዋልድ ክትኸውን ወሲኑ። ዕላምኡ ንመሰላት ኣዋልድ ንዓለም ንምፍላጥን ኣብ ዘጋጥመን ብድሆታት ኣፍልጦ ንምዕባይ’ዩ። ቀዳመይቲ እመቤት ዩናይትድ ስቴትስ ሚሸል ኦባማ፡ ካልኦት ፍሉጣት ሰባትን ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝመጻ መንእሰያት ኣዋልድ ነዚ መዓልቲ “ኣዋልድ ክመሃራ ንፍቐደለን” ብዝብል ቴማ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ተሳቲፈን።
መንገዲ ባቡር አዲስ አበባ ጅቡቲ ሎሚ ረቡዕ ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፉት ኮይኑ’ሎ።እዚ መንገዲ ባቡር ነቲ ሸውዓተ መዓልታት ዝወስድ ዝነበረ ጉዕዞ አዲስ አበባ ጅቡቲ ናብ ጉዕዞ ሸውዓተ ሰዓታት ከምዘሕጸሩ ተገሊጹ’ሎ።መራሕቲ ኢትዮጵያን ጅቡቲ’ዮም ነቲ ሓድሽ መንገዲ ባቡር መሪቆም ከፊቶምዎ።
ተቃወምቲ ፓርቲታት’ታ ሃገር መንግስቲ ነቲ አብቲ ፍጻሜ ዘጋጠመ ሞትን ኣብታ ሃገር ንዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ዝሞቱ ሰባት ብነጻ አካል ክጻረ ይጽውዑ።መንግስቲ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ናይ ሓዘን መዓልታት አዊጁ’ሎ።
ኣብ ሎንዶን ዝርኸቡ ገለ ኤርትራዊያን መንግስቲ ኤርትራ ንኩነታት ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብ ብሕትው ማእሰርቲ ዝርኸቡ ፈተውቶምን ስድራቤቶም ከፍልጥ ጻውዒት ብምቅራብ ትማሊ ኣፎም ብጨርቒ ብምእሳር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም። ገለ ካብቶም ተሳተፍቲ’ቲ ሰልፊ ጓል ሓፍቱ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ ቨኔሳ በርሃ ከምዚ ትብል።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከጋጥም ንዝኽእል ስግኣት ግብረ ሽበራ: ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያን ኣሜሪካን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፈን። መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገኑ ዜጋታቱ ክፈርሁ ከምዘይብሎም ይገልጽ ኣሎ፡ ላዕለዎት ተንተንቲ ጉዳይ ግብረ-ሽበራ’ውን ምስ ሰበ-ስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ ይሰማምዑ እንተኾነ ግን ደቡብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ክትዛነይ ከምዘይብላው’ን የተሓሳስቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፐሬሽን ንመግለጺ ፈደራል ፖሊስን ግብረ-ሓይሊ ጸረ-ሽብርን ብምጥቃስ ኣብ ዝፈነዎ ሪፖርት መንግስቲ ኢትዮጵያ 28 ሚያዝያ , 2008 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ካብ ኤርትራ ዝተላእኩ አሸበርቲ ምስ ዝአከብዎ ኣጽዋርን ንብረትን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር አውዒለ ምባሉ ገሊጹ ኔሩ። እቲ መሓውር ዜና ነዚ ዜና ኣብ ዝፈነወሉ ጊዜ ብተመሳሳሊ ኣብ መርበብ ሓበሬታ’ቲ ትካል’ውን ነዚ ሪፖርት ኣውጺኡ ኔሩ። ምስ’ዚ ዜና ተታሓሒዙ’ውን ምስሊ ኣጽዋር ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ወጺኡ ኔሩ።
ወሃቢ ቃል ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ’ታ ሃገር ንምድኻም ፈቲኑ ክብል ይኸስስ። ኣብታ ሃገር ዝርኸብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ግን ነቲ ዝቐረበ ክሲ ኣሉታዊ መልሲ ሂብሉ’ሎ።
ነቲ ሓገዝ ብወግዒ ዘፍለጡ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ትካል ዓለም-ለኸ ናይ ልምዓት ሓገዝ (USAID) ናይ ዲሞክራስን ግጭትን ሰብኣዊ ጉዳያት ተሓጋጋዚ ኣመሓዳሪ ቶማስ ስታል ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ደርቂ ሕጂ’ውን ከምዘይተፈትሐን በቲ ኩነታት ምዝንጋዕ ከምዘየድልን ገሊጾም።ኣብቲ ኣጋጣሚ ነዚ ጽንኩር ኩነታት ንምብዳህ ሓገዝ መንግስቲን ህዝብ ኣሜሪካ ልዑል ምኳኑ ዝሓበሩ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣካያዲ ስራሕ ኮሚሽነር ኣቶ ምትኩ ካሳ’ዮም።
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ፓርቲሻ ሃስላክን ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ዓሻ መሓመድ ትማሊ መሪቖም ዝከፈትዎ ናይ ኣሜሪካ ማእከል ስነ-ጥበብን ቴክኖሎጂን ንስርሓት’ቲ ቅድሚ 40 ዓመት ዝነበረ ተመሳሳሊ ማእከል ከምዝቕጽል ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጽያ ኣፍሊጡ።
ቤተ-መዘክር ስነ-ጥበብ ኬነዲ ኦሃዮ ዩኒቨርስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብጠቅላላ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ዝጸንሐን ዘሎን ምዝንባል ዜጋታትን ስደትን ብዝምልከት ናይ ሰለስተ መዓልታት ሲምፖዝዩምን ምርኢት ስነ-ጥበብ ኣካይዱ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ደርቂ: ህጻናት ንሕጽረት መግቢ፡ ንሕማምን ንትምህርቲ ምቁራጽን ይቃልዑ’ለው።
ነጻነት ፕረስ ብጠቅላላ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዓመተ 2015 ምንቁልቋሉ ጉጅለ ተሓላቒ ነጻነት ፕረስ፡ ፍሪደም ሃውስ ኣብ ዝውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ቅድሚ 31 ዓመታት ኣብ ዘጋጠሞ ድርቂን ጥምየትን ሓደ ካብቶም ኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ዝበሉ ሰር ቦብ ጌልዶፍ እዮም።
መንግስቲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ደርቂን ንካልኦት ፕሮግራምት ዝውዕል 30 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝህብ ሎሚ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ኣስቴር ገብረሚካኤል መስራቲት ‘ስታር-ፎር-ስታር’ ዝተባህለ ትካል ግብረ-ሰናይ’ያ። 'ስታር ፎር ስታር' ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ክፍለ-ግዝአት ኢንድያና ኣብ ከተማ ኢንድያናፖሊስ ዝርከብ ኽከውን ከሎ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብታ ከተማን ክፍለ-ግዝአትን ዘለዉ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ንምሕጋዝ ዕላማ ጌሩ’ዩ ተመስሪቱ።
ተበግሶ ማይክሮፎስት ኣብ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ትካል ንኢትዮጵያዊት ኣምሮት ዓብደላ ዳይሬክተር’ቲ ትካል ጌሩ ሸይምዋ።
ተወሳኺ ጽዓን