ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ መዓልቲ ኣዋልድ ንአገዳስነት ትምህርቲ ትኹረት ብምሃብ ተዘኺሩ


ቀዳመይቲ እመቤት ሚቸል ኦባማ ኣብቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት

ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ታሕሳስ 2011 ዓ.ም 11 ጥቅምቲ ዓለምለኸ መዓልቲ ኣዋልድ ክትኸውን ወሲኑ። ዕላምኡ ንመሰላት ኣዋልድ ንዓለም ንምፍላጥን ኣብ ዘጋጥመን ብድሆታት ኣፍልጦ ንምዕባይ’ዩ። ቀዳመይቲ እመቤት ዩናይትድ ስቴትስ ሚሸል ኦባማ፡ ካልኦት ፍሉጣት ሰባትን ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝመጻ መንእሰያት ኣዋልድ ነዚ መዓልቲ “ኣዋልድ ክመሃራ ንፍቐደለን” ብዝብል ቴማ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ተሳቲፈን።

ኣብቲ ነዚ መዓልቲ ኣዋልድ ንምዝካር ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ኣማኻሪት ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ሱዛን ራይስ፡ ተዓዋቲት አካዳሚ ኣዋርድ ስነ ጥበባዊት መርሊ ስትሪፕ፡ ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦባማን ካልኦት ተረኺበን ኔረን። ዝሓለፈ ኣዋርሕ ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦባማ ናብ ላይበርያን ሞሮኮን ብምብጻሕ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ዕድል ትምህርቲ ዘይረኽባ ከምዘለዋ ገሊጸን።

ብተደጋጋሚ ከምዝተዓዘብናዮ መራሕቲ ሃገራት ይኹኑ፡ ኣመሓደርቲ ዓበይቲ ትካላት ኾነ መንእሰያት ኣዋልድ ዘለወን አገራሚ ታሪኽ ክሰምዑ ከለው ዘይትንኸፍ የለን፡ በቲ ኩነታት ዘይጉህይን ክሕግዝ ዘይብገስውን የለንኢለን ሚቸል ኦባማ።

ኣቀዲመን ምስ ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ዶኮመንታሪ ፊልም ዝሰርሓት ተዋሳኢት መርሊን ስትሪፕ ንተሳተፍቲ እቲ ስነ-ስርዓት ንዝሓሸ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ዘሎ ኣረኣእያ ክቕየር ኣለዎ ኢላ።

ምሉእ ስድራ ስድራ ሰብኣዊነት ነዚ ጉዳይ ትኹረት ክህቦ ኣለዎ። እዚ ኽከውን ድማ ይምነ። ይመስለኒ ደቂ ተባዕትዮ ማዕጾታት ክኽፈት ከምዘለዎ ክርድኡ ክንሕግዝ ይግባእ እዚ ድማ ልዕልና መሰረት ዝገበረ ዘይኾነ ንፍርቂ ማህበረሰብ ዓለም ዕድል ብምኽፋት ካብ ዝብል ምርዳእ ኽኸውን ኣለዎ።

እተን ኣርባዕተ ኣዋልድ ነቲ መድረኽ ምስዘን ፍሉጣት ሰባት ኣብቲ መዓልቲ ዝመርሓ ብወገነን ናብ ቤት ትምህርተን ንምኻድ ብዙሕ ኪ.ሜ ይጉዓዛ ከምዝነበራ ይዛረባ። ዋላኻ ብዙሕ ዕንቅፋት እንተነበረ ነቲ ጉዕዞ ናብ ቤት ትምህርቲ ግን ከምዘይዓገተን ይገልጻ።

ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦባም እዚ ጉዳይ ብውልቀን’ዉን ዝስምዓን ምኻኑውን ይገልጻ ። ምኽንያቱ ካብ መንግስቲ ብዝረኸበኦ ሓገዝ ናብ ሸቶ ትምህርተን ክበጽሓ ከምዝሓገዘን ይገልጻ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣስታት 1 ቢሊዮን ዶላር ኣብ ምዝርጋሕ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንኣዋልድ የውዕል፡ ብተመሳሳሊ ባንኪ ዓለም ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት 2 ቢሊዮን ዶላር ኣብ ምዝርጋሕ ትምህርቲ ኣዋልድ ከምዘወፍር ሓቢሩሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG