ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ


ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን

ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊኑ ዝርከብ ወጥሪ ከምዘስግኣ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ከርቢ ሎሚ ሰሉስ 11 ጥቅምቲ ገሊጾም።

ጆን ከርቢ ነዚ ዝገለጹ: ንኩነታት ኢትዮጵያ ብዝመልከት ካብ ድምጺ ኣመሪካ ንዝቐረበሎም ሕቶ ምላሽ ኣብ ዝሃቡሉ ክኸውን እንከሎ፤ ኣመሪካ: ብ10 ጥቅምቲ ብፕረዚደንት ሙላቱ ንባይቶ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሕቶ መሬትን መመሓየሺ ሕግታት ምርጫን ዝኣመሰሉ ዘይዕግበታት ተቓወምቲ ወገናት: መንግስቲ ክፈትሖም ምውሳኑ ንዝተዋህበ መግለጺ ምፍላጣ ብተወሳኺ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘቕረቦም ሓሳባት ኣብ ትግባረኡ ንምብጻሕ ሃገሮም ከምእተበረታትዕ ድማ ገሊጾም።

ኣመሪካ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:51 0:00

ጆን ከርቢ ብተወሳኺ ኣመሪካ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝኣወጆ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ብፍላይ ድማ ሰባት ብዘይ ፍርዲ ምሓዝ፤ ገደብ ምግላጽ ናጻ ሓሳባት፤ ናይ ምእካብ እገዳን ሕላፍ ሰዓት ምድንጋግን ዝኣመሰሉ ስጉምትታት ንምትግባሮም ዘድለየሉ ምኽን ያታት ግልጺ ክኾኑ መንግስቶም ከምዝደሊ ኣብቲ ኣጋጣሚ ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

ምትእትታው እዞም ስጉምታት እዚኣቶም ስርዓት ንምትሓዝ ዝተሓስቡኳ እንተኾኑ ዓፈና ናጻ ድምጺን ኣብ መሰላት ኢትዮጵያውይን ነብሰ ጉድኣት ከስዕብ ብዘኽእል ጣልቃ ምእታው ፍታሕ ካብ ምዃን ንዝተፈጥሩ ሽግራት ዘጎሃህሩ እዮም ክብሉ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ኪርቢ ኣተሓሳሲቦም።

XS
SM
MD
LG