ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኣሜሪካ ማእከል ስነ-ጥበብን ቴክኖሎጂን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ


ናይ ኣሜሪካ ማእከል ስነ-ጥበብን ቴክኖሎጂን ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ናይ ኣሜሪካ ማእከል ስነ-ጥበብን ቴክኖሎጂን ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ፓርቲሻ ሃስላክን ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ዓሻ መሓመድ ትማሊ መሪቖም ዝከፈትዎ ናይ ኣሜሪካ ማእከል ስነ-ጥበብን ቴክኖሎጂን ንስርሓት’ቲ ቅድሚ 40 ዓመት ዝነበረ ተመሳሳሊ ማእከል ከምዝቕጽል ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጽያ ኣፍሊጡ።

እዚ ማእከል ስነ-ጥበብን ቴክኖሎጂን ንመንእሰያትን ካልኦት ኣባላት’ቲ ማህበረሰብ ክፉት ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተዓጽወ ናይ ኣሜሪካ ባህላዊ ማእከል ትማሊ ኣብ ሃገራዊ ቤት መዘክርን ቤት መጻሕፍትን ኣብ ዝርኸብ ህንጻ ዳግማይ ምክፋቱን ንስርሓት እቲ ዝነበረ ባህላዊ ማእከል ከምዝቅጽል’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ህዝባዊ ርኽባት ዴቭድ ኬነዲ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ኢሎም።

‘ብመንፈስ’ቲ ቅድሚ 40 ዓመታት ኣብ መወዳእታ ናይ ስልጣን ዘመን ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝተዓጸወ ናይ ኣሜሪካ ማእከል ዝተሰርሐ’ዩ። እንተኾነ ግን ካብኡ ዝፈልዮ ኣብ ካልእ ቦታ ምስርሑ ክኸውን ከሎ መንፈሱ ግን ሓደ’ዩ። እዚ ድማ ንተሳትፎ መንእሰያት ዘለና ተበግሶ መቐጸልታ’ዩ። ኽኾንዎ ንዝደልዩ ኽኾኑ ሓደሽቲ ሓሳባት ኸቕርቡ ንምሕጋዝን’ዩ። ናይ ቅድም ናይ ኣሜሪካ ማእከል ስነ-ጥበብ ስራሕ ንሱ’ዩ ዝነበረ ሕጂ’ውን ንሱ’ዩ።’

ኣምባሰር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማትሪሻ ሃስላክ (የማን)ን ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ዓሻ መሓመድ (ጸጋም)
ኣምባሰር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማትሪሻ ሃስላክ (የማን)ን ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ዓሻ መሓመድ (ጸጋም)

ነቲ ማእከል መሪቐን ዝከፈታ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማትሪሻ ሃስላክ ብወገነን ምኽፋት’ቲ ማእከል ልዑል ግምት ዝተዋህቦ ምኳኑ ሓቢረን።

‘ ምስ ኤጀንሲ ሃገራዊ ቤተ- መዘክርን ቤተ-መጻሕፍቲ ብሓባር ብምዃን ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝሓዘ ሓገዝ ቴክኖሎጂ ዘለዎ ናይ ምምሃርን ናይ ምምሓዝን ማእከል ፈጢርና’ለና።እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዉ 10 ማእከላት ሓደ’ዩ። ናብቲ ማእከል ዝመጹ ድማ ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ሓቢረን።

ብተወሳኺ ኣይ ፓድ ብምጥቃም ዝወሃብ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ትምህርቲ፡ ልዕሊ 190,000 ናይ ኤሌክትሮኒክስ መጻሕፍቲ ፡ 1.5 ሚሊዮን ናይ ድሕረ-ምረቃ ተማሃሮ ናይ ምርምር ጽሑፋት ከምኡ’ውን ናይ ኢንተርነት ኮርስታትን ኣብ ኣሜሪካ ትምህርቲ ንምኽትታል ዝሕግዙ መግለጺታት ገለ ካብቶም ናይቲ ማእከል ፕሮግራማት ምካኖም እተን ኣምባሳደር ገሊጸን።

እዚ ናይ ባህልን ቴክኖሎጂን ማእከል ብፍሉጥ ኣሜሪካዊ ናይ በረራ በዓል ሞያን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ በረራ ኢንዳስትሪ ኣቦ ዝኾኑ ኮነሬል ጆን ሮቢንሰን ስም ዝጽዋዕ ምኻኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ናይ ኣሜሪካ ማእከል ስነ-ጥበብን ቴክኖሎጂን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:47 0:00

XS
SM
MD
LG