ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብታ ቃለ-ማሕላ ዝፈጸመላ ምሸት ንጉዳያት ኢሚግረሽን ዜግነትን ኣመሪካ ዝምልከት ትእዛዛት ፈሪሙ። እቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዛት--ንገለ ካብኣቶም ተቓምዎ ቤት-ፍርዲ ይገጥሞ እኳ እንተሎ--ንሕግታት ኢሚግረሽን ኣመሪካ ብዙሕ ዝልውጥ’ዩ። ክንዲ ዝዀነ ከኣ’ዩ ኣብ ሓያሎ ወገናት ሕቶታትን ሻቕሎት ኣስዒቡ ዘሎ። ነዞም ተደጋጊሞም ዝለዓሉ ቀንዲ ጉዳያት መብርሂ ንምሃብ እምበኣር ንክኢላ ሕጊ ጉዳያት ኢሚግረሽን ኣቶ ሚኪኤል ዓንደጊዮርጊስ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
“ጀበና” ዝተሰምየ ንመጻምድቲ ብመንገዲ ኢንተርነት ንምርኻብ ዝዓለመ መትግበሪ ኣፕ፡ ዛጊት ልዕሊ 800-ሽሕ መጻምድቲ ኣራኺቡ ከም ዘሎ’ዩ ሓደ ካብቶም መሰረትቲን ዋና ኣካይዲ ስራሕን ዝዀነ ሄኖክ ዮሃንስ ዝሕብር። ኣብ 2019 ዝጀመረ መትግበሪ፡ ካብቲ ባህላዊ ኣገባባት መላላዪ ንፍቕሪን መጻምድቲን ውጽእ ኢሉ፡ ብሕልፊ ነቶም ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓደ መድረኽ ንምፍጣር ዝተበገሰ’ዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለም ካልኣይ ቀታሊ ሕማም ኮይኑ ዘሎ ሕማም መንሽሮ ብዝምልከት ኣብ ኣመሪካ ንዝነብሩ ሕብረተሰብ ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይ ዝነጥፍ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ በዓል ሞያ ሕማም መንሽሮ ዶ/ር ኣሮን ከፈላ ተርእዮ እቲ ሕማም ይውስኽ ከምዘሎን መጠን ሞት ብደረጃ ዓለም እንተጎደለ እውን ኣብ ኤርትራዊያን ኢትዮጵያዊያን ማሕበረሰብ ግን ይውስኽ ምህላው ይገልጽ።
ነባሪት ኣትላንታ- ጆርጂያ ዝዀነት ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ቤትኤል በየነ ንሕማም መንሽሮ ጡብ ካብ ትብድህ ካብ ድሮ ሸውዓተ ዓመት የሕሊፋ ኣላ። እንተዀነ ቤትኤል ነቲ ዝሓለፈቶ ተመኵሮ ናብ ካልኦት ንምትሕልላፍን በዚ ሕማም ንዝተጠቕዓ ተስፋ ንምሃብን ኣብ ቀጻሊ ስራሕ’ያ እትርከብ። ንመንሽሮ ጡብ ትበድህ ደኣ እምበር ካልኦት ሕዱራት ሕማማት ጸይራ’ያ ነዚ ቃልሲ እተካይዶ።
ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ኣብ ሓያሎ ሕብረተሰባት ብዙሕ ዘይዝረበሉ ኣርእስቲ ብምዃኑ ነቲ ኩነታት መሊሱ ከም ዘግድዶ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ዝዛረቡ። እዚ ኣርእስቲ’ዚ ምስ ባህሊን ኣከባቢን’ውን ልምዲን ተመክሮ ህይወትን ስለ ዝፈላለ ብሕልፊ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝተሰደዱ ዜጋታት ከቢድ ኣርእስቲ ምዃኑ ክኢላ እቲ ዓውዲ ሰላም ፍስሃየ ትዛረብ።
ዶክተር ናይዝጊ ገብረመድህን ብምኽንያት መበል 90 ዓመቶም ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብንውሓቱ ድሕሪ እምባ ኪሊማንጃሮ ዝነውሕ ምዃኑ ዝፍለጥ እምባ ኬንያ ሓዂሮም ኣለዉ። ነዚ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ እምባ ንመበል 13 ግዜኦም’ዮም ዝድይቡዎ ዘለዉ። ኣብዚ ዝደሓረ ጕዕዞኦም ግን እንኮላይ ደቂ-ደቆም ሒዞም’ዮም ተጓዒዞም። ናብዚ ደረጃን ብቕዓት ኣካላትን ዘብጽሖም ምስጢርን ኣገባብ ህይወትን ኣካፊሎምና ኣለዉ።
ኣሮን ገብሩ ኦዉሱ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ብናይ 50ሜትር ፍሪስታይ(Freestyle) ናይ ምሕንባስ ውድድር ንኤርትራ ወኪሉ ተወዳዲሩ ራብዓይ ደረጃ ብምርካብ ድማ ውድድሩ ዛዚሙ።
ተዓዋቲ ናይ ነጥቢ ቀጠልያ ማልያ ዙር ኲንግሃይ ሌክ 2024 ሄኖክ ሙሉብርሃን: ኣብ መዛዘሚ 8ይ መድረኽ ሄኖክ 6ይ ደረጃ ሒዙ ምስ ብሉጻት ተቀዳደምቲ ድሕሪ ምዝዛም፡ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያን 2ይ ደረጃ ኣብ ናይ ኣንበሳ ዓቐብ ማልያን ኣብ ሓፈሻዊ ድምር ናይ ግዜ ብጫ ማልያ ካኣ 4ይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ። ብዛዕባ ዙር ኵንግሃይ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
ኣደን ወደን ጽምዲ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ዝበጽሕሉ ንዝሓለፍዎ ተመክሮን ኣጋጣሚታትን ብመልክዕ መጽሓፍ ሽዱሽተ ናይ ህጻናት መጽሓፍቲ ድሕሪ ምሕታሞም ነቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ናብ ትግርኛ ክትርጉምዎ ጀሚሮም። እዚ ናይ ትርጉም ስራሕ ብኣስታት 15 ካብ 4ይ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ተማሃሮ ተዳልዩ ንሕትመት በቒዑ ከምዘሎን ብተወሳኺ እቶም ተመሃሮ ናቶም መጽሓፍቲ ክጽሕፉን ከሕትሙን ዘኽእል ፕሮግራም ንምጅማር ምኽኣሉ ዲቦራ ሃይለ ትዛረብ።
ኤርትራዊ ተጻዋታይ ጋንታ ከነማ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓሊ ሱሌማን ምስ GAIS ዝተባህለት ጋንታ ሽወደን ንኽጻወት ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ብምርግጋጽ፡ ብተወሳኺ "ካብ ግብጺ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ሞሮኮን እውን መጸዋዕታ መጺኡኒ ኣሎ። ነዚ ናይ ሽወደን ዕድመ ግን ኣቐዲመዮ ኣለኹ።" ክብል ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣፍሊጡ።
ተወሳኺ ጽዓን