ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነጻነት ፕረስ ኣብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ የንቋልቁል ኣሎ ይብል ፍሪደም ሃውስ


ነጻነት ፕረስ ብጠቅላላ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዓመተ 2015 ምንቁልቋሉ ጉጅለ ተሓላቒ ነጻነት ፕረስ፡ ፍሪደም ሃውስ ኣብ ዝውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ብመሰረት’ቲ ጸብጻብ እቲ ዝኸፍአ ጸቕጢ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብሩንዲ ዘጋጠመ’ዩ።እቲ ትማሊ ረቡዕ ዝወጸ ሪፖርት ምንቁልቋል ነጻነት ፕረስ ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ክልተ ምክንያታት’ዩ ይብል። ‘ብመጀመርያ ሃገራት ኣብ መራኸቢ ዘለወን ልዑል ተጽዕኖን ኣድልዎን ክኽውን ኸሎ፡ እቲ ካልኣይ ምክንያት ድማ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝውሰድ ዘይሕጋዊ ምፍርራሕን ኣካላዊ ጎነጽን’ዩ’ ይብል ጸብጻብ ፍሪደም ሃውስ።

ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብዝኽተልኦ ፖሊሲ ዝከፍአ ዝተባህለ ክልተ ሃገራት’ውን ጠቂሱ’ዩ ሪፖርት ፍሪደም ሃውስ፡ ኤርትራ ሓሙሻይ ደረጃ፡ ኢኮተርያል ጊኒ ድማ ሻምናይ ደረጃ ካብ መወዳእታ ብምሓዝ ተጸዊዓን’ለዋ።

ዳይሬክተር ብፍሪደም ሃውስ ንዝካየዱ መጽናዕትታት- ጀኒፈር ዱንሃም ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ኤርትራ ኣብቲ ዝርዝር ዝከፍአ ነጻነት ፕረስ ዘለወን ሃገራት ዝተጸብጸበትሉ ምክንያት ኣብታ ሃገር ነጻ መሓውራት ዜና ብዘይምህላዎም’ዩ ትብል።

‘ ኣብ ሓደ እዋን ኣብታ ሃገር ጽቡቕ ምንቅስቃስ ዝነበሮም ነጻ መሓውራት ዜና ኔሮም’ዮም፡ እንተኾነ ኣብኡ ዝነጥፉ ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ኤዲተራት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማእሰርቲ ይርኸቡ። ዝበዝሑ ካብኦም ነዊሕ ዓመታት ዝተአሰሩ’ዮም፡ ዳግማይ ነጻነት ፕረስ ኣብታ ሃገር ዝትግበረሉ ውሕስነት’ውን የለን። ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ሕግታት ኣሎ ኣብ ግብሪ ግን ኣይወዓለን።’

ኣብ ቀረባ እዋን ኤርትራ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ መራከቢ ብዙሓን ቢቢሲ፡ሮይተርስን ፍራንስ-24 ኣብታ ሃገር ብምእታው ኣብ ገለ ገለ ቦታታትን ኣርእስትታትን ክጽብጽቡ ፍቓድ ሂባ`ላ። ይኹን ደአ እንበር ትብል ሚስ ዲንሃም መራኸቢ ብዙሓን’ቲ ሃገር ልዑል ምቁጽጻር ከምዘለዎም ትገልጽ።

‘ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ዝኾነ ዓይነት ጸብጻብ ክሰርሑ፡ ብዘይ ፍርሒ ኮነ ስምዒት ሕነ-ምፍዳይ ንመንግስቶም ዝነቅፍ ሪፖርት ምስራሕ ክሳብ ዘይኸአሉ ነጻነት ፕረስ ኣብታ ሃገር የለን።’

ሚስ ዱንሃም ብምቅጻል ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝረአ ቀያዲ ዝኾነ መስርሕ ኣብ መራከቢ ብዙሓን ኣተሓሳሳቢ ይኸውን ከምዘሎ ትገልጽ። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ብ’ዞን-9’ ንዝፍለጡ ጸሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርነት ኣብ ዝኣሰረተሉ ዝጀመረ ኮይኑ ድሒሩ ግን እዞም ጸሓፍቲ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም’ዮም። ዓለም-ለከ ማህበረሰብ ነዚ ብኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ብዘይምኹናኑ ድማ ካልኦት ሃገራት ንክኽተለኦ ኣተባቢዑ’ዩ ትብል ሚስ ዱንሃም።

ብካልእ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ዝካየዶ ምቁጽጻር ርኽባት ከም ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ፡ ስለያ ናይ ኢንተርነት ርኽባት ውልቀ-ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ይጥቀስ።

ፍሌክ ሆርን ካብ ሂማን ራይትስ ዎች ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ይብሉ።

‘እዚኦም መንግስቲ ንስለያ ዝጥቐመሎም መሳርሒታት ንመንግስቲ ፍጹም ምቁጽጻር ዝህብዎ ኾይኖም፡ ንናይ ውልቀ-ሰባት ኮምፒውተር ክርእዩ ፡ ናይ ስካይፕ ርክብ ሰባት ክከታተሉ ፡ ኣብ ኮምፒውተር ናይ ሰባት ዘለው ቪድዮታት ብምጥቃም ንሰባት ክርእዩ’ውን ይኽእሉ እዮም። በዚ ምኽንያት’ዚ ሓያል ናይ ቁጽጽር መሳርሒታት ይጥቀሙ`ዮም።’

ብማህበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተመስረት ናይ ምብራቅ ኣፍሪቃ ቤት ፍርዲ ፍትሒ እዚ ኩነታት ኣብ ነጻነት ፕረስ ክመሓየሽ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ እዚ ትካል ንተጽዕኖ ዘለዎ ሕግታት ብሩንዲ ብወግዒ ነጺግዎ’ዩ። ብተመሳሳሊ ማህበረሰብ ኢኮኖሚ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝመስረቶ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ፈደረሽን ጋዜጠኛታት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ናይ ጋምብያ ናይ ጸለመ ሕጊ ንዘቕርቦ ተቃውሞ ሰሚዑ’ዩ።

‘እዞም ሕግታት ኣንጻር ቻርተራት’ዮም። ብመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተፈረሙ ቻርተራት። ስለዚ ንዝቀርቡ ተቃውሞታት ኣብ ልዕሊ እዞም ሕግታት ካብ ምዕራባዊያን ትካላት ዝመጹ ዘይኮኑ ብቤት ፍርዲ ኣፍሪቃ ዝቀርቡ ምኻኖምን ኣንጻር ዝተፈረሙ ቻርተራት ዝጸደቁ ሕግታት ምኳኖምን የርእይ።’

እዚ ብፊሪደም ሃውስ ዝቐረበ ‘ነጻነት ፕረስ 2016” ዝተሰምየ ረፖርት ነጻነት መራኸቢ ብዙሓን ን199 ሃገራትን ክፍለ-ግዝኣታትን ዓለም ዝገምገመ`ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ነጻነት ፕረስ ኣብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ የንቋልቁል ኣሎ ይብል ፍሪደም ሃውስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:04 0:00

XS
SM
MD
LG