ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሽሕ’ዃ ተደጋጋሚ ስግኣት ግብረ-ሽበራ እንተተገልጸ ሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር ግን ዘፍርህ ነገር የለን ይብሉ


ደቡብ ኣፍሪቃ
ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከጋጥም ንዝኽእል ስግኣት ግብረ ሽበራ: ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያን ኣሜሪካን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፈን። መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገኑ ዜጋታቱ ክፈርሁ ከምዘይብሎም ይገልጽ ኣሎ፡ ላዕለዎት ተንተንቲ ጉዳይ ግብረ-ሽበራ’ውን ምስ ሰበ-ስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ ይሰማምዑ እንተኾነ ግን ደቡብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ክትዛነይ ከምዘይብላው’ን የተሓሳስቡ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዳዕሽ ኣብ ዓበይቲ ማእከላት ንግዲ ደቡብ ኣፍሪቃ መጥቓዕቲ ክፍጽሙ ይክእሉ’ዮም ክብል ብቀዳም ኣጠንቂቑ`ሎ። ብሪጣንያን ኣውስትራልያ’ውን ሶኑይ ተመሳሳሊ መጠንቐቕታ ሂበን’ለዋ።

ምንጪ እቲ ስግኣት ብርግጽ እንተዘይገለጻ’ኳ ኤምባሲ ኣሜሪካ ግን እቲ ስግኣት ‘ርግጸኛን ተአማኒን’ዩ’ ክብል ገሊጽዎ’ሎ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ተመሳሳሊ መጠንቐቕታ ምውጽኡ’ውን ይዝከር።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ግን በዚ ስግኣት ዘይተሻቐለ እንኾ ኣካል ይመስል። ሚኒስትሪ ሃገራዊ ጸጥታ’ታ ሃገር ድሕሪ ክልተ መዓልቲ መጠንቐቕታ እዘን ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዜጋታቱ በዚ ስግኣት ከይፈርሑ ይገልጽ።

ሚኒስትር ጸጥታ’ታ ሃገር ዳቪድ ማህሎቦ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓያል፡ ዝተረጋገአትን ዲሞክራቲክ ሃገር ኮይና ከምትቅጽል፡ በቲ ዝወጸ መጠንቀቕታ ምክንያት ድማ ህጹጽ ሓደጋ ከምዘየለ ይገልጹ።

ኣብ ጉዳይ ግብረ-ሽበራ በዓል ሞያ ዝኾነት ጃስሚን ኦፐርማን ብወገና ምስ ሰበ-ስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ ብምስምማዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ቀዳምነት ዒላማ ከምዘይኮነ ትገልጽ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጸጥታ ደቡብ ኣፍሪቃ ብራያን ዱብ ግን ደቡብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብዘን እዚ ዓውደ ኩናት ዝካየደለን ሃገራት ከምዘይኾነት፡ ብተወሳኺ ኣብቲ ዓለም-ለኸ ኩናት ኣንጻር ዳዕሽ’ውን ዋና ተሳታፊት ኣይኮነትን ይብሉ።

‘ ንሕና ደቡብ ኣፍሪቃዊያን ከም ኣካል ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ተሓለቕቲ ሰላማዊ ዝርርብን ሰላማዊ ምፍታሕ ግጭታት መላእ ዓለም ኢና ንኣምን። በዚ ዝወሰድናዮ ስጉምቲ ድማ ደቡብ ኣፍሪቃ ዒላማ እዞም ጥሩፍ ጉጅለታት’ያ ኢና ኢልና ኣይንኣምንን።’

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ዳይሬክተር ክፍሊ ስርሒት ኣንጻር ሽበራ ደቡብ ኣፍሪቃን ተመራማሪትንን ተንታኒትን ኣብ ጉዳይ ግብረ-ሽበራ ኦፐርማን እዚ ማለት ግን ደቡብ ኣፍሪቃ ካብዚ ስግኣት ነጻ’ያ ማለት ኣይኮነን ትብል።

ኣብዚ እዋን ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ ኾነ ኣውስትራልያ ዜጋታተን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይገሹ ዝገልጽ መጠንቐቕታ ኣየውጽኣን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG