ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣሜሪካ ለውጢ ስርዓት ክግበር ትደፍእ’ላ ክብል ይኸስስ


ፋይል - ወሃቢ ቃል ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚዚ ኮድዋ
ፋይል - ወሃቢ ቃል ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚዚ ኮድዋ

ወሃቢ ቃል ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ’ታ ሃገር ንምድኻም ፈቲኑ ክብል ይኸስስ። ኣብታ ሃገር ዝርኸብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ግን ነቲ ዝቐረበ ክሲ ኣሉታዊ መልሲ ሂብሉ’ሎ።

ኣብ ወርሒ የካቲት ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ መንግስቲ ኣሜሪካ ለውጢ ስርዓት ክህሉ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ እንተነበረ’ኳ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ኣሜሪካ ኤምባሲ ብዙሕ ኣቃልቦ ኣይሃቦን ኔሩ ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ክሲ ዳግማይ ይቐርብ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚዚ ኮድዋ ንመራኸቢ ብዙሓን’ታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ ቃል መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ብዲሞክራሲ ዝተመርጸ መንግስቲ’ታ ሃገር ንምድኻም ይፍትን ኣሎ ኢሎም።

እንተኾነ ግን ንወሃቢ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ክላይሶን ሞናይላ ወሲኽኻ ሰበ-ስልጣን ክልቲኦም መንግስታት ነዚ ክሲ ይነጽጉ።

‘ እዚ ክሲ ንኣራኣእያ መንግስቲ ዘንጸባርቕ ኣይኾነን። መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ሓይልን ጥቡቕ ዝኾነ ዝምድና እዩ ዘለና።’

ሓደ ናይ ብሪጣንያ ጋዜጣ’ ናይ ኣሜሪካ ናይ ስለያ ማእከል CIA ኣብ ናይ 1962 ዓ.ም.ፈ ማእሰርቲ ኔልሰን ማንዴላ በቲ ናይቲ እዋን መንግስቲ ዓሌታዊነት ( ኣፓርታይድ) ኢድ ኔርዎ ዝብል ጸብጻብ ምስ ወጸ’ዩ እቶም በዓል ስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ክሲ ዝቅረቡ።

ነዚ ክስታት ብዝምልከት ድምጺ ኣሜሪካ ርእይቶ ወሃቢ ቃል ንምርኻብ ዘካየዶ ፈተነ ግን ኣይተዓወተን።

ወሃቢት ቃል ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲድኒ ሃርቨይ ግን ነቲ ክስታት ኣሉታዊ መስሊ ሂበናሉ።

‘ብሓቂ ደቡብ ኣፍሪቃ ስትራቴጂካዊት መሻርኽትን መሓዛን ኣሜሪካ’ያ። ኣሜሪካ ድማ ነቲ ብዲሞክራሲ ዝተመርጸ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃን ትካላቱን ተክብር’ያ። እዚ ኣሜሪካ ንዲሞክራሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ተዳክም ዝብል ክሲ ድማ ኣንጻር እቲ ህልውን ነዊሕ ዝጸንሐን ዝምድና ክልቲአን ሃገራት’ዩ።’

ብተወሳኺ ንሰን እቲ ኤምባሲ ነቲ ዝተባህለ ምትእትታውን ስርሒት ናይ ስለላ ትካል CIA ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይብለን ሓቢረን።

ብተወሳኺ ክልቲኦም መንግስታት ንድልዱል ዝምድና ውፍያት ምኻኖም ይገልጹ’ለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣሜሪካ ለውጢ ስርዓት ክግበር ትደፍእ’ላ ክብል ይኸስስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:16 0:00

XS
SM
MD
LG