ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ-ጥበባዊያን ቀርኒ ኣፍሪቃ ‘ተመክሮታት ስግር ዶባት’ ብዝብል ቴማ ኣብ ኦሃዮ ዩኒቨርሲቲ ምርኢትን ሲምፖዝዩምን ኣቅሪቦም


ተሳተፍቲ'ቲ ምርኢት
ተሳተፍቲ'ቲ ምርኢት

ቤተ-መዘክር ስነ-ጥበብ ኬነዲ ኦሃዮ ዩኒቨርስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብጠቅላላ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ዝጸንሐን ዘሎን ምዝንባል ዜጋታትን ስደትን ብዝምልከት ናይ ሰለስተ መዓልታት ሲምፖዝዩምን ምርኢት ስነ-ጥበብ ኣካይዱ።

ገለ ኣብቲ ምርኢት ዝቐረበ ኣሳእል
ገለ ኣብቲ ምርኢት ዝቐረበ ኣሳእል

ኣብቲ ምርኢት ካብ ሃገራት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጅቡቲን ሶማል ዝተዋጽኡ ስነ-ጥበባዊያን ተሳቲፎም ኔሮም። መብዛሕትኦም እዞም ስነ-ጥበባዊያን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብሰንኪ ኣብ ሃገራቶም ዘሎ ዘይምርግጋእ ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም ኣብ ስደት ዝርኸቡ’ዮም።

ነዚ ምርኢት ዘዳለወቶ ኣብ ኦሃዮ ዩኒቨርስቲ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ኣብ ክፍሊ ስነ-ጥበብን ዲዛይንን ኣንድርያ ፍሮኒ ብዛዕባ ዕላማ እቲ ምርኢት ከምዚ ትብል።

'ካብ ነዊሕ ጀሚሩ ብዛዕባ ታሪክን ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዙሕ ተጻሒፉን ተባሂሉን’ዩ ፡ ብዛዕባ ስነ-ጥበብ ኮነ ስነ-ጥበባዊያን እቲ ዞባ ግን ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ዝተገብረ ነገር የለን። እዚ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላማታት እዚ ምርኢት ኽኸውን ኸሎ ፡ ዋና ዕላማ ግን ካብዚ ዞባ ንዝኾኑ ስነ-ጥበባዊያን ብምትሕብባር ናይ ሓባር ዝኾነ ምርኢት ንምቕራብ’ዩ ኔሩ። እዚ ድማ ብዓይነቱ ንመጀመርያ ጊዜ ስነ-ጥበባዊያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባር ዘዳልውዎ ምርኢትን ሲምፖዚንዩም’ዩ።’

ገለ ካብቲ ኣብቲ ምርኢት ዝቐረበ ስርሓት
ገለ ካብቲ ኣብቲ ምርኢት ዝቐረበ ስርሓት

እዚ ብኦሃዮ ዩኒቨርሲቲ ዝተዳለወ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሲምፖዝዮምን ምርኢትን ‘ተመክሮታት ስግር ዶባት’ ብዝብል ቴማ ዝቐረበ ኮይኑ ኣብዚ ምርኢት ዝቐረቡ ስርሓት ኩሎም ብቅዲ ዘመናዊ ስነ-ጥበብ ዝቐረቡ ኮይኖም እቲ ቀንዲ ትኩረት ድማ ዘመናዊ ሂወት ኣፍሪቃዊያን ኣብ ሃገሮምን ኣብ ስደትን ዝብል’ዩ ኔሩ። ብተወሳኺ እቲ ምርኢት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ምዝንባል ሰባት ናብ ወጻኢ ሃገር ዘሎ ዋሕዚ ስደት ምክንያቱ እንታይ’ዩ ዝብል’ዩ።

ሓደ ካብቶም ስርሓቶም ኣብቲ ምርኢት ዘቕረቡ ስነ-ጥበባዊያን ንፊደላት ግእዝ ብስእሊ ብምቕራብ ብዓለም-ለኸ ደረጃ ኣፍልጦ ዝረኸበ ኢትዮጵያዊ ስነ-ጥበባዊ ወሰኔ ወርቁ’ዩ። ንሱ ብዛዕባ’ቲ ኣብቲ ምርኢት ዘቕረቦ ስርሓት ከምዚ ክብል ይዛረብ።

‘ እዞም ፊደላት ብቀለም ደሚቆም ንዘለኒ ኣተሓሳስባ ይገልጹ። ካብ ሃገረይ ብኸመይ ወጺኤ ንምንታይ’የ ወጺኤ? ነቲ ኩነታትን ንዝክርታት ንምግላጽን ህልው ኮነ ሕሉፍ ኩነታት ማህበረሰብናን ካልኦት ኣብ ከባቢና ዘለው ማሕበረሰባትን ንምግላጽን መልእኽቲ ንምትሕልላፍን’ዩ። ኣብ ቤተ-መዘክር ኬኔዲ ኦሃዮ ዩኒቨርሲቲ ዝተኻየደ ምርኢትን ሲምፖዝዮምን ድማ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮነ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ክስተት ንማሕበረሰብና ኮነ ንካልኦት ማህበረሰብ ብኸመይ ነፍልጥን ነመሓላልፍን ብዝብል ዝተካየደ ናይ ሓባር ስራሕ’ዩ ኔሩ። ነዚ ኩነታት ተባሂሉ ተነጊሩና ዝሰራሕናዮ ዘይኮነ ኣብቲ ኩነታትን ኣጋጣሚን ከለና ዝተሰርሑ ስራሓት ተመሪጾም’ዮም ቀሪቦም።’

ብተወሳኺ ኤልሳ ገብረየሱስ ብዛዕባ ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራን መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራን ብዝምልከት ኣብቲ ምርኢት ኣሳእል ኣቕሪባ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG