ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ-መጠይቕ ምስ ዳይሬክተር ማይክሮሶፍት ጨንፈር ኣፍሪቃ ኣምሮት ዓብደላ


ኣምሮት ዓብደላ ዳይሬክተር ማይክሮሶፍት ጨንፈር ኣፍሪቃ
ኣምሮት ዓብደላ ዳይሬክተር ማይክሮሶፍት ጨንፈር ኣፍሪቃ

ተበግሶ ማይክሮፎስት ኣብ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ትካል ንኢትዮጵያዊት ኣምሮት ዓብደላ ዳይሬክተር’ቲ ትካል ጌሩ ሸይምዋ።

ኣምሮት ዓብደላ ትበሃል። ትካል ተበግሶ ማይክሮፎስት ንኣፍሪቃ ኣብ ዝከፈቶ ጨንፈር ኣፍሪቃ ዳይሬክተር’ቲ ጨንፈር ኮይና ኣብ ጥቅምቲ, 2015 ተመዚዛ። ኣምሮት ቅድሚ ነዚ መዝነት ምምዛዛ ኣብቲ ትካል ሓድሽ ነገር ንዝምህዙን ዝስንዑን ሰባት እቲ ትካል ንዝህቦን ዝስልዖን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣብ ምምሕዳሩ ንሰለስተ ዓመታት ከም ዝሰርሓት ትገልጽ። ነዚ መዝነት ብኸመይ ከምተመርጸት ድማ ብከምዚ ዝስዕብ ተረድእ።

‘ብርግጽ እዚ ፍሉይ ነገር ሰርሐ’የ አብዚ በጺሐ ክብል ይከብደኒ’ዩ። እንተኮነ ግን እቲ ትካል ኣብ ዝሰርሖን ዕላማ እቲ ትካል ዝኾነ ልምዓትን ዕብየት ቴክኖሎጂ ንመንእሰያትን ኣብ ዝብል ዓውድታትን ንምስፋሕ’ቲ ተበግሶ’ቲ ትካል ኣብ ዝካይዶ ጻዕርታት’ውን ብዙሕ ስራሕ ሰሪሕና ኢና። እቲ ስራሕ’ውን ዕውት ኮይኑ ተረኺቡ’ዩ ። ኣነ’ውን ኣብዚ መዳይ ዘለኒ እምነት ክብ ዝበለ’ዩ። እዚ ምናልባት ነቲ ሓላፍነት ንምርኻብ ካብ ዝሓገዘ ረቋሒታት ሓደ ክኸውን ይክእል’ዩ።’​

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቃለ-መጠይቕ ምስ ዳይሬክተር ማይክሮሶፍት ጨንፈር ኣፍሪቃ ኣምሮት ዓብደላ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:23 0:00

XS
SM
MD
LG