ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ዘመን ቴክኖሎጂ ስለዝኾነ ጌጋ ምፍጻምን ምሕሳውን ጉድኣቱ ንገዛእ ርእስኻ’ዩ’ መማህራን ጋዜጠኝነት


ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ነቲ ጌጋ ስእሊ ብዝምልከት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘውጽኦ ይቕሬታ
ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ነቲ ጌጋ ስእሊ ብዝምልከት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘውጽኦ ይቕሬታ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፐሬሽን ንመግለጺ ፈደራል ፖሊስን ግብረ-ሓይሊ ጸረ-ሽብርን ብምጥቃስ ኣብ ዝፈነዎ ሪፖርት መንግስቲ ኢትዮጵያ 28 ሚያዝያ , 2008 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ካብ ኤርትራ ዝተላእኩ አሸበርቲ ምስ ዝአከብዎ ኣጽዋርን ንብረትን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር አውዒለ ምባሉ ገሊጹ ኔሩ። እቲ መሓውር ዜና ነዚ ዜና ኣብ ዝፈነወሉ ጊዜ ብተመሳሳሊ ኣብ መርበብ ሓበሬታ’ቲ ትካል’ውን ነዚ ሪፖርት ኣውጺኡ ኔሩ። ምስ’ዚ ዜና ተታሓሒዙ’ውን ምስሊ ኣጽዋር ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ወጺኡ ኔሩ።

እንተኾነ ግን ኣብዚ ዜና ዝወጸ ምስሊ ኣጽዋር ኣብ 2004 .ም ኣብ ኢራቕ ክፍለ- ግዝኣት ፋሉጃ ብመበል 82 ሰራዊት ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ዝተማረኸ ምዃኑ እቲ ምስሊውን ብፍሉጥ ናይ ኣሜሪካ ናይ ስእሊ ኤጄንሲ ጌቲ ፒክቸርስዝተሳእለ ምኳኑ ተፈሊጡ።

እዚ ምስሊ መዛረቢ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኮይኑውን ቀንዩዩ። ነዚ ምስሊ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ዝተጠቕመ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽንውን ነቲ ዝተፈጠረ ጌጋ ብምእማን ይቕረታ ሓቲቱሎ።

ከምዚ ዓይነት ጌጋ እንታይ የመልክቱ ንዝብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ጋዜጠኝነትን ኮምኒኼሽን ዝኾነ ኣቶ ኣቤል ኣዳሙ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ከጋጥሙ ዝኽእሉኳ እንተኾኑ ብመጀመርታ ናይ ሓደ መሓውር ዜና ተአማኒነትን ሓበሬታ ንምዕራይ ጊዜ ከምዝወስድ የረድእ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ጋዜጠኝነት ኮሚኒኼሽንን ዝነበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ኦሪገን ዩኒቨርሲቲ ናይ ዶክትሬት ትምህርቱ ዝኸታተል ዘሎ ኣቶ ኣንዳልካቸው ሃይለሚካኤል ድማ ከምዚ ይብል።

ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኮነ ናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስትንግ ኮርፐሬሽን ንዝኾነ ሓበሬታ ምሉእ ብምሉእ ተቆጻጺርካ ንምፍናው ካብ ዘለዎ ድልየት ዘጋጥመ ጌጋዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ቀዳማይ እቲ ዜና ንባዕሉ ጥርጣረ ዘለዓዕልዩ ። ካልኣይ ብናይ መንግስቲ መሓውራት ዜና ዝፍነው ሓበሬታ ደረጃ ተአማንነት ከመይዩ ዝብል ሕቶውን ዘለዓዕልዩ። ብሞያ ጋዜጠኝነት ድማ እዚ መሰረታዊ ጌጋዩ። ሓደ ሓበሬታ ከሕልፍ ዝደልይ ኣካል ናይ ውልቂ ኮነ ናይ መንግስቲ ትካል ቅድሚ ሓበሬታ ምትሕልላፉ ሓቅነት እቲ ሓበሬታ ከረጋግጽ ኣለዎ። እቲ ዝቀረበ ናይ ይቅሬታ መልእኽቲውን ግሉጽ ኣይኮነን። እቲ ጌጋ እቲ ምስሊ ድዩ ወይ እቲ ዜና ብንጹር ዝሕብር ኣይኮነን።

ብናይ ጋዜጠኝነት ናይ ሞያ ስነ-ምግባር ሓደ ሓበሬታ ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምፍናዉ ብተደጋጋሚ ክጻረይ ኣለዎ ዝበለ ኣቶ ኣቤል ቪድዮ ኮነ ምስሊ ኣብ ንጥቐመሉ ጊዜ ድማ ምንጭን ዋንነትን ክግለጽ ኣለዎ ይብል።

እዞም ሰብ ሞያ ብተወሳኺ ኣብዚ ዘመን ቴክኖሎጂ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ንምጽራይ ብቀሊሉ ይኸአል ከምዝነበረ ብምሕባር ከምዚ ዓይነት ጌጋ ድማ እቲ ትካል ዘለዎም ክኢላታት ሰብ ሞያ ኣብ ሕቶ ዘእትውዩ ኢሎም። ብተወሳኺ ኣብዚ ሓበሬታ ብቀሊሉ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝዝርገሓሉ ጊዜ ሓቅነት ሓበሬታ ምርግጋጽ ግዴታዩ ክብሉ ርእይቶኦም ሂቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG