ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ተላኣኣኽቲ ሻዕቢያ’ ዝወጠንዎ ውዲት ተወቂዑ’ ኢሎም ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ


ምኒስትር ርክባት ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ‘ሻዕቢያ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘካየዶም ፃዕሪታት ምስፈሸሎ፣ ብደቡብ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ነቲ ፈተነ ከምዝቀፀለሉን፣ ደው ከብሎ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሎምን’ ሓቢሮም።

‘መንግስቲ ኤርትራ ብደቡብ ኢትዮጵያ ዘዋድዶ ሸበራዊ መጥቃዕቲ፣ ትኹረቱ ብሰሜን ኢትዮጵያ’ዩ ነይሩ፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 3 ኣዋርሕ ብዘይምቁራፅ ፈቲኑ፣ ተለኣኣኽቱ ኣብ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ምስ በፅሑ ገሊኦም ይታሓዙ ገሊኦም ይማረኹ፣ ውሱናት ድማ ክልተ ሰለስተ መዓልታት ፀኒሖም ኢዶም’ዮም ዝህቡ’ ኢሎም።

ብዛዕባ ሓደጋ ውሕጅ ዘውረዶ ጥፍኣት ክዛረቡ ከለው ድማ ‘ክሳብ ሎሚ ብመሰረት ዘለና ሓበሬታ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ሰባት ብሓደጋ ውሕጅ ህይወቶም ስኢኖም ኣለው። ዝተዘርአ እኽሊ ብማይ ተሸፊኑ’ዩ’ ኢሎም።

ብዛዕባ’ቶም ካብ ጋምቤላ ዝተጨወዩ ህፃናት ኣማእኪሎም ኣቶ ጌታቸው ረዳ ክዛረቡ፣ ‘እቶም ህፃናት መታን ክምለሱ ንኩሎም ኣማራፂታት ክንጥቀመሎም ኢና’ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:58 0:00

XS
SM
MD
LG