ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዶባት ጣልያንን ፈረንሳይን ዝርኸቡ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብዛዕባ መጻኢኦም ይሻቀሉ


ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ጣልያን
ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ጣልያን

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2016 ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ጣልያን በጺሖም፡ መብዛሕትኦም ካብዚኦም አፍሪቃዊያን ኽኾኑ ኸለው ናብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ጉዕዞኦም ክቕጽሉ ዝደልዩ’ዮም። እንተኾነ ግን ዝሓለፈ ዓመት ዝወጸ ፍተሻ ዶባት ናብ ዝደልይዎ ክንቀሳቀሱ ኣይፈቐደሎምን።

ብጉጅለታት ዝተጠርነፉ ስደተኛታት ኣብቲ ራሕሲ ዘለዎ ጎደናታት ክጉዓዙ ይረኣዩ።እዞም ስደተኛታት ካብ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጹ ክኾኑ ኸለው መብዛሕትኦም ድማ ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ምድረበዳ ናብ ሊብያ ካብኡ ድማ ብልዕሊ ዓቐን ዝጸዓኑ ጀልባታት ተጻዒኖም ማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ጣልያን ዝበጽሑ እዮም።

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዛረቦም ስደተኛታት መንነቶም ክገልጹ ፍቃደኛታት ኣይኮኑን።

ሕብረት አውሮጳ ንድልየታት ካብ መጀመርያ ዓመተ 2015 ጀሚሮም ናብ ኣውሮጳ ንዝአተው ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ንምምላእ ይቃለስ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 140,000 ሰባት ማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ጣልያን በጺሖም እዮም። በመሰረት ሕጊ ሕብረት ኣውሮጳ ስደተኛታት ኣብ መጀመርያ ዝአተውሉ ሃገር ክምዝገቡ ኣለዎም ይብል፡ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም መብዛሕትኦም አፍሪቃዊያን ስደተኛታት ግን ነዚ ከምዘየማልኡ ይገልጹ ምኽንያቶም ድማ ናብ ካልእ ሃገር ክቅጽሉ ስለዝደልዩ ምኳኖም ይሕብሩ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዜና 11 ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ብዳዒሽ ኣብ ሊብያ ተታሒዘን ዝጸንሓ ብሓይልታት መንግስቲ ሊብያ ነጻ ከምዝወጻ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መደበር ጸጥታ ሓይልታት ሊብያ ኣብ ሚስትራ ከተማ ከም ዝርኸባ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሓንቲ ካብዘን ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነት ኤርትራዊት ዕጡቓት ዳዒሽ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ግፍዕታት ከምዝፍጽሙ ትዝርዝር።

ብመሰረት ሓበሬታ እዛ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ቅድሚ ዓመትን ፈረቓን ሊብያ ምእታዋ ትገልጽ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ነጻ ክወጻ ዝኸአላ ሓይልታት መንግስቲ ሊብያ ብቐዳም ነቲ ኣብ ከተማ ሲትሪ ተታሕዘናሉ ዝጸንሓ ህንጻ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ምዃኑ’ውን መንነታ ክግለጽ ዘይደለየት ገጻ ብምሽፋን ቃላ ንሮይተርስ ዝሃበት ኤርትራዊት ስደተኛ ትገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG