ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ብደርቂ ንዝተጎድኡ ኢትዮጵያዊያን ንምሕጋዝ ተወሳኺ 128 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምትህብ ኣፍሊጣ


ኣብ USAID ናይ ዲሞክራስን ግጭትን ሰብኣዊ ጉዳያት ተሓጋጋዚ ኣመሓዳሪ ቶማስ ስታል
ኣብ USAID ናይ ዲሞክራስን ግጭትን ሰብኣዊ ጉዳያት ተሓጋጋዚ ኣመሓዳሪ ቶማስ ስታል

ነቲ ሓገዝ ብወግዒ ዘፍለጡ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ትካል ዓለም-ለኸ ናይ ልምዓት ሓገዝ (USAID) ናይ ዲሞክራስን ግጭትን ሰብኣዊ ጉዳያት ተሓጋጋዚ ኣመሓዳሪ ቶማስ ስታል ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ደርቂ ሕጂ’ውን ከምዘይተፈትሐን በቲ ኩነታት ምዝንጋዕ ከምዘየድልን ገሊጾም።ኣብቲ ኣጋጣሚ ነዚ ጽንኩር ኩነታት ንምብዳህ ሓገዝ መንግስቲን ህዝብ ኣሜሪካ ልዑል ምኳኑ ዝሓበሩ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣካያዲ ስራሕ ኮሚሽነር ኣቶ ምትኩ ካሳ’ዮም።

ኣብ ኢትዮጵያን ብዘጋጠመ ናይ ደርቂ ሓደጋ 10.2 ሚሊዮን ህዝቢ ናይ ህጹጽ እዋን ሓገዝ የድልዮም፡ ነዚ ንምምላእ ሓገዝ መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝቕጽል፡ እዚ ተወሳኺ ሓገዝ USAID ድማ ብዙሕ ጎደሎታት ክመልእ ከምዝኽእል ኣብቲ ትካል ናይ ዲሞክራስን ግጭትን ሰብኣዊ ጉዳያት ተሓጋጋዚ ኣመሓዳሪ ቶማስ ስታል ወሲኾም ሓቢሮም።

‘ USAID ተወሳኺ 128 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝህብ ብወግዒ ክገልጽ ከለኹ ሓጎስ ይስምዓኒ።እዚ ሎሚ ብወግዒ ዝተገልጸ ገንዘብ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ኮይኑ ብተወሳኺ ናይ መግቢ፡ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ዝተመጣጠነ መግቢን ኣብ ዘካየድክዎ ዑደት ንዝረኣክዎም ጸገማት ንምፍታሕ ዘገልግሉ ተንቀሳቀስቲ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት’ውን ዘጠቃልል’ዩ።ሎሚ ዝተገልጸ ሓገዝ ወሲኻ ኣሜሪካ እታ ቀንዲ ንኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ትህብ ሃገር ኮይና ክትቅጽል’ያ።

ንሶም ብተወሳኺ ካብ ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ኣሜሪካ ኣስታት 705 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ሂባ’ላ። እዚ ድማ ኣብዚ ጽንኩር ኩነታት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዘለና ቆራጽነት ዘርእይ’ዩ ኢሎም።

ሚስተር ቶማስ ብምቕጻል እቲ ዘሎ ድልየት ዝተጎድኡ ወገናት ካብቲ ዘሎ ኣቕርቦት ኣዝዩ ዝዓበየ ምኳኑ ገሊጾም።ኣስዒቦም፡ነቲ ዘሎ ሓገዝ ንምብጻሕን ዘሎ ጊዜ ሓጺር’ዩ። እቲ ናይ ደርቂ ሓደጋ’ውን ይቕጽል’ዩ ዘሎ። ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ እቲ ቁጽሪ ክውስኽ’ዩ ስለዚ ካብ’ቲ ዘለና ትኹረት ክንዘናጋዕ የብልናን ኢሎም።

እቲ ሓገዝ ወግዓዊ ኣብዝተገብረሉ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣካያዲ ስራሕ ኮሚሽነር ኣቶ ምትኩ ካሳ ኣሜሪካ ኣብቲ ዘድልይ እዋን ሓገዝ ትሕብ ከምዘላ ብምግላጽ ፡ እዚ ተወሳኺ ሓገዝ ድማ ንድልየት መግቢ ወርሒ ሰነ፡ ሓምለን ነሓሰን ዘማልእ ምኻኑ ኣብቲ ዘድልይ እዋን ምቕራቡን ኣረዲኦም።

ኣቶ ምትኹ ብተወሳኺ ንድልየታት 10.2 ሚሊዮን በቲ ሓደጋ ደርቂ ንዝተጎዱ ኢትዮጵያዊያን ንምሕጋዝ ካብ ዘድልይ 1.4 ቢሊዮን ዶላር ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ 54 ሚእታዊት ምዃኑ’ውን ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG