ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩሴኤኣይዲ(USAID) ተወሳኺ ሓገዝ ንብደርቂ ኢትዮጵያ ክህብ'የ ኢሉ


ኣብ ትካል ዓለም'ለኸ ምትሕብባር ልምዓትን ረድኤትን ኣሜሪካ ዩስኤኣይዲ ናይ ዲሞክራሲ ጎንጽን ሰብኣዊ ረድኤትን ተተካኢት ተሓሓጋዚት ኣመሓዳሪት ዲና ኤስፔስቶ
ኣብ ትካል ዓለም'ለኸ ምትሕብባር ልምዓትን ረድኤትን ኣሜሪካ ዩስኤኣይዲ ናይ ዲሞክራሲ ጎንጽን ሰብኣዊ ረድኤትን ተተካኢት ተሓሓጋዚት ኣመሓዳሪት ዲና ኤስፔስቶ

ኣሜሪካ ንደርቂ ኢትዮጵያ ምላሽ ተወሳኺ ሓገዝ ከምትህብ ካልኦት ለገስቲ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ቢሮክራሲኡ ዝሰለጠ ብምግባር ክተሓባበር ኣብ ዩስኣይዲ ተተካኢት ተሓጋጋዚት ኣመሓዳሪት ዲና ኤስፓስቶ ጸዊዔን።

እተን በዓልቲ ስልጣን ዩስኤኣይዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድኦ ቃለ-መጠይቅ ብደርቂ ንዝተጎድኡ ኢትዮጵያዊያን ዘድሊ ሓገዝ ንምትእክካብ ደረጃ’ቲ ደርቂን ምንቅስቃስ ረድኤትን ከምዝረኣያ ገሊጸን።

ኣብ ኣሜሪካ ዓለም'ለኸ ትካል ምትሕብባር ረድኤት ዩኤስኤኣይዲ ናይ ዲሞክራሲ ጎንጽን ሰብኣዊ ረድኤትን ተተካኢት ተሓሓጋዚት ኣመሓዳሪት ዲና ኤስፔስቶ ከምዝበልኦ ሃገረን ዝለዓለ ሓገዝ ምሃባ ገሊጸን። ዛጊት ልዕሊ ፍርቂ ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝሃበትን እዚ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣዝዩ ዝለዓለ ምኳኑ ገሊጸን።

'ኣሜሪካ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሃበቶ ረድኤት መግቢ ሰለስተ ዕጽፊ ዝኸውን ሎሚ ዓመት ሂባ’ላ። ምኽንያቱ ዘድሊ መጠን ረድኤት ዝለዓለ'ዩ። ልዕሊ 10 ሚሊዮን ሰባት ህጹጽ ረድኤት መግቢ፡ 6 ሚሊዮን ሰባት ቀረብ ማይ፡ 1.7 ሚሊዮን ሰባት ኸአ ቀረብ ዘርኢ፡ ልዕሊ 2.1 ሚሊዮን ሰባት ኸአ ጉድለት ዝተመጣጠነ መግቢ ከምዘለዎም ንፈልጥ ኢና። እቲ ጸገም ክሳብ ክንደይ ዝኸፍአ ምኳኑ ዝነግሩና ብዙሓት ኣሃዛት ኣለው’ ኢለን።

እዚ ህጹጽ ምላሽ ምሃብ የድሊ ምኽንያቱ ሳዕቤኑ ዝገደደ’ዩ ዝኸውን ስለዚ ዘድሊ ንምግባር ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና። ኣሜሪካ ተወሳኺ ሓገዝ ክትህብ’ያ ካልኦት ለገስቲ'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ ንጽውዕ። መንግስቲ ድማ ምሳና ክተሓባበር ንጽውዕ ኣለና ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዩኤስኣይዲ(USAID) ተወሳኺ ሓገዝ ንብደርቂ ዝተጠቕዓ ክፋላት ኢትዮጵያ ክህብ'የ ኢሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:46 0:00

XS
SM
MD
LG