ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ደርቂ አብ ኢትዮጵያ ንምኽልኻል ሰራሕተኛታት ሕጹጽ ሓገዝ ልኢኻ


ኣማሓዳሪት USIAD ጌል ስሚስ
ኣማሓዳሪት USIAD ጌል ስሚስ

ኣሜሪካ ድርቂ ንምክልኻል ናብ ኢትዮጵያ ዝለኣኸተቶም ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ሎሚ ምእታው ከምዝጀመሩ ዝበጽሐና ዜና ሓቢሩ።

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ህጹጽ እዋን ምላሽ ዝህብ ጉጅለ ናብ ኢትዮጵያ ከም እትልእኽን ንዝቕጽሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ተወሳኺ ናይ 268 ሚሊዮን ዶላር ህጹጽ ረድኤት ከምዘድልይን ዝገለጻ ኣማሓዳሪት USIAD ጌል ስሚስ እየን።እቲ ሓገዝ ዩናይትድ ስቴስ ኣቐዲማ ካብ ዝሃበቶ 500 ሚሊዮን ዶላር ተወሳኺ ከምዝኾነ እውን ተገሊጹ’ሎ።

ኣማሓዳሪት USIAD ጌል ስሚዝ ከምዚ ኢለን ኣለዋ።

‘ሎሚ መዓልቲ ንገልጾ ዘለና ረድኤት ካልኦት ለገስቲ ሃገራት ወይ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ነዚ ኣብነት ክስዕብኦ ዝብል ተስፋ ብምሓዝ እዩ።ሓደ ጉጅለ ሰራሕተኛታት ህጹጽ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ንምልኣኽ እዩ።እቲ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ ዘሎ ህጹጽ ስራሕ ዘተሓባብሩን ዘሳልጡን ሰብሙያ ዝሓቖፈ እዩ።’

ነቲ ጉጅለ ዝመርሕኦ ህጹጽ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዝለዓለ ተመክሮ ዘለወን ኬት ፋርንስዎርዝ ምዃነን ተገሊጹ’ሎ።

ኤል ኒኞ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ክስተት ለውጢ ኣየር ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ዓብዪ ጉድኣት እናብጸሐ ይርከብ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ እናኸፍአ ይኸይድ’ሎ፤ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ እውን ከምኡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝበጸሐ ጉድኣት ግን ካብ ኩሉ ንላዕሊ እዩ ይብላ ዋና ሓላፊት USAID ጊል ስሚዝ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ ቀረባ ብመሰረት ዘካየዶ ገምጋም ንዝመጽእ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝኸውን 268 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ የድሊ።ዩናይትድ ስቴትስ ረድኤት ብምቕራብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝቕጽሉ ኣዋርሕ ሓረስቶት ካብ ዝበጽሖም ጉድኣት ክሓውዩ ዘኽእሎም ስራሕቲ ኣቐዲማ ንምስራሕ ዘለዋ መደብ እውን ኣሎ ይብላ ጌል ስሚዝ።

ኣብ ኢትዮጵያ 10 ሚሊዮን ሰባት ህጹጽ ረድኤት ከምዘድልዮም ዝገለጻ ኣማሓዳሪት USIAD ጊል ስሚዝ ጉጅለ ሰራሕተኛታት ህጹጽ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ንምልኣኽ ዘድለየሉ ምኽንያት እቲ ኩነታት ከይገደደን ምስልታት ዝተጎድኡ ህጻናት ብመራኸቢ ብዙሃን ቅድሚ ምርኣዩን ኣቐዲምካ ምስ መሻርኽቲ ብምኳን ንምርግጋእ እዩ ኢለን።

እቲ ረድኤት በቲ ድርቂ ንዝተጠቕዑ ክበጽሕ ዝለዓለ ትኹረት ብምሃብ ከምዝስርሐሉን ናይ መግቢ ረድኤት ዘድልዮምን ንዝለዓለ ጉድኣት ዝተቓልዑን ከባቢታት ተፈሊዮም ብኡ መሰረት እዩ ምንቅስቓስ ዝግበር ዘሎ ኢለን ጌል ስሚዝ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣሜሪካ፡ደርቂ አብ ኢትዮጵያ ንምኽልኻል ሰራሕተኛታት ሕጹጽ ሓገዝ ልኢኻ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:30 0:00

ኣሜሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ሓደጋ ደርቂ ተወሳኺ 268 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘድልይ ገሊጻ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:04 0:00

XS
SM
MD
LG