ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ደርቂ ብመለክዒ ደረጃ ዓለም-ለኸ ለገስቲ ትካላት 3ይ ደረጃ ምሓዛ ተገሊጹ


ብመለክዒ ደረጃ ዓለም-ለኸ ለገስቲ ትካላት ኢትዮጵያ 3ይ ደረጃ ምሓዛን መንግስቲ ኸአ ዛጊት ብሰንኪ ደርቂ ሓገዝ ንዘደልዮ ዜጋታት ልዕሊ 8 ሚሊዮን ብር ከምዝወጽአን ኣብ ምኽልካል ሓደጋ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ኣቶ ምትኩ ካሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

በቲ ጽንኩር ኩነታት ደርቂ ሰባት ከምዝሞቱን ጥሪት ከምዝሃለቁ እንተተገልጸ'ኳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዝጠፍኤ ህይወት ሰብ የለን ክብል አትሪሩ ይገልጽ።

ኣብ ምክልኻል ሓደጋ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ኣቶ ምትኩ ካሳ ምስቲ ዓለም-ለኸ ለገስቲ ትካላት ንደርቂ ኢትዮጵያ እኹል ትኩረት ከምዘይተዋህበ ዝህብዎ መግለጺ ብምስምማዕ ግን እቲ ኩነታት ካብ ቀረባ ጊዜ ንደሓር ተቀይሩ'ዩ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ደርቂ ብመለክዒ ደረጃ ዓለም-ለኸ ለገስቲ ትካላት 3ይ ደረጃ ምሓዛ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:58 0:00

XS
SM
MD
LG