ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ኣብ መንጎ ጠለብን ቀረብን ረድኤት ክፍተት የለን'ላዕለዋይ በዓል ስልጣን


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ዞባ ሸንለ ወይ ሸጢ ደርቂ ዝስዓቦ ጸገም ከቢድ ምንባሩን መንግስቲ’ውን ፍሉይ ትኩረት ከምዝሃቦን ሓደ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን መንግስቲ ገሊጾም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ኣብ መንጎ ጠለብን ቀረብ ረድኤት ክፍተት የለን። እቲ ንጥምየትን ንጥፍኣት ህይወት ዝነበረ ስግኣት ሓሊፉ’ዩ ክብሉ ኣብ ምኽልኻል ሓደጋ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ኣቶ ምትኩ ካሳ ኣትሪሮም ገሊጾም።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ዞባ ስጢ ወይ ሽነለ ብሰንኪ ድርቂ ቅድሚ ኣዋርሕ ተኸሲቱ ዝነበረ ሓደጋ ከይድገም ንናይ ፌደራል ምክልኻል ሓደጋ ድልውነትን ጨንፈር ውሕስነት መግቢን ከምዘፍለጡ ካብ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዝመጻእና ኢና ዝበሉ ኣባላት ትማሊ ምግላጾም ይዝከር።

ሕጂ’ውን ዝወሃብ ረድኤት እኹል ከምዘይኾነን ንሓደ ሓደ ከባቢታት ከኣ ረድኤት ከምዘይበጽሕን ብተወሳኺ ገሊጾም እቲ ጸገም ድማ ስእነት ሰናይ ምሕደራ እዩ ኢሎም'ዮም።

አቶ ምትኩ ካሳ ግን ህዝቢ'ቲ ዞባ ናብቲ ቅድሚ 3-4 አዋርሕ ዝነበሮ ሓደጋ ክምለስ'ዩ ንዝብል ስግኣት ኣይቅበልዎን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG