ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ኢትዮጵያ ዝተከሰተ ደርቂ ቀንዲ ግዳያት ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናትን’ዮም ተባሂሉ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ድርቂ ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑትን ጽሩይ ማይ ንምርካብ ኣብ መዓልቲ ክሳብ ሽዱሽተ ሰዓታት የሕልፉ ፤ጎዳጉዲ ማያት ይነቕጹ ኣለው፣ብድርቂ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ዘለው ኣብያተ ትምህርቲ ስለዝትዓጽው ኣስታት 1.2 ሚሊዮን ህጻናት ትምህርቲ ከምዘቋረጹ ከምተገደዱ ትካል ህጻናት ኣድሕን ገሊጹ።

ተስፋ ዝቖረጹ ብዙሓት ስድራቤታት ንማሕረስ ዝጥቀምሎም ኣብዑር እናሓረዱን ኣብ ዝቕጽል የካቲት ንምዝራእ ዝሓዝዎ ዘራእቲ ይበልዑን ከምዝለው ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ህጻናት አድሕን ጆን ግርሃም ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ንሶም እቲ ድርቂ ንናብራ ማሕበረሰብ ብምትንካፍ እታ ሃገር ዘመዝገበቶ ዘደንቕ ቁጠባዊ ምዕባለ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑዎ’ሎ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኤጀንሲ ዓለምለኸ ልምዓት/USAID/ ብድርቂ ኣብዝተጥቕዑ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዘሎ ከቢድ ቅልውላው ጥዕና ዝውዕል ተወሳኺ 88 ሚሊዮን ዶላር ከምዝመደበ ተፈሊጡ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

አብ ኢትዮጵያ ዝተከሰተ ደርቂ ግዳያት ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናትን’ዮም ተባሂሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:48 0:00

XS
SM
MD
LG